ኮቪደ-19፡ "ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዓለምና ዘጋጠማ ዝሓየለ ፈተና እዩ" ኣንቶንዮ ጉተሬዝ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮረናቫይረስ፡ ዓለም ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠማ ዝሓየለ ፈተና ከምዝኾነ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ቁጠባዊ ቅልውላው ከስዕብ ከምዝኽእል 'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እዚ ዝበለ እቲ ለበዳ ከብጸሖ ብዛዕባ ዝኽእል ማሕበረ ቁጠባዊ ሃስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ፡፡
ንሱ፡ እቲ ቫይረስ ከብጸሖ ብዛዕባ ዘኽእል ቁጠባዊ ሃስያ ይቐርቡ ኣብ ዘለዉ ትምበያታት መሰረት ገይሩ እዩ ነቲ መጠንቀቕታ ሂቡ ዘሎ።
ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ኣስታት 25 ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድል ክሰኣን ከምዝኸእል ጸብጻብ ወደብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ፡፡
ቀጥታዊ ምውፋር ሃብቲ ወጻኢ ድማ ብ40 ምኢታዊት ክወርድ ክምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
ዛጊድ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣስታት 860 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ኮይኖም፡ ልዕሊ 42 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ፡፡
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 865 ሰባት ከምዝሞቱ ዘገለጸ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 189 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ብተመሳሳሊ፡ ብቑጽሪ መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት ካብ ጣልያን ቀጺላ እትርከብ ስፔን፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 849 ሰባት ቀቢራ ኣላ፡፡ እቲ ቁጽሪ ዛጊድ ካብ ዘመዝገበቶ መዓልታዊ ሞት እቲ ዝበዝሐ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነዚ እዩ ድማ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጽባሕ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ተጓንፎ ገጢምዋ ዝበለ።
እቲ ሕማም ደው ንምባል ኢሉ ድማ ንምጥፋእ ድማ፡ ናይ ኩሎም ኣካለት ስምረት ከድሊ እዩ እዩ፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ።
ከምኡ ድማ፡ ብፍላይ ምዕቡላት ሃገራት ንከም ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበላ ድኻ ዓድታት፡ ነቲ ለበዳ ክጻወራ ሓገዝ ክገብራለን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
"እንተዘይኾየኑ ግን፡ እቲ ሕማም ከም ባርዕ ሓዊ ክላበድ ክንርኢ ንኽእል ኢሉ" ክብል ስክፋቱ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ ኣብዚ መጻኢ ወርሒ 100 ሺሕ ኣመሪካውያን በቲ ለበዳ ክሃልቁ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣሸዓቒልዎ ይርከብ።
ኣመሪካውያን፡ ኣብዘን መጻእቲ ክልተ ሰሙናት ንዝኸፍአ ኩነታት ድልዋት ኮይኖም ክጸንሑ ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







