ቻይናዊት ከተማ ደማሙን ኣኽላባትን ከይብልዑ ኣጊዳ

ድሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከተማ ሸንዘን፡ ንፈለማ እዋን መሸጣን ምብላዕን ስጋ ከልቢን ድሙን ዝኣገደት ቻይናዊት ከተማ ኮይና።

እቲ ስጉምቲ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ስጋ እንስሳታት ዘገዳም ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ድሕሪ ምግላጹን፡ ሰብመዚ ቻይና፡ ንመሸጣን ምብላዕን እስሳ ዘገዳም ድሕሪ ምእጋዶምን'ዩ ተወሲዱ።

ሸንዘን ግን፡ ነቲ እገዳ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ብምውሳድ፡ ነቶም እንስሳታት ዘቤት ዝኾኑ ድሙን ከልብን'ውን ኣካል ናይቲ እገዳ ክኾኑ ወሲና'ላ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ 1 ግንቦት ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ኤስያ፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ኣኽላባት ንመግቢ ተባሂሎም ከምዝቐተሉ ንመሰል እንስሳታት ዝጣበቕ 'ሁሜን ሶሳይቲ ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕብር ይጠቅስ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ቻይና ስጋ ከልቢ ምብላዕ ከምቲ ዝውረየሉ ልሙድ ኣይኮነነ - ዝበዝሑ ቻይናውያን ስጋ ከልቢ በሊዖም ከምዘይፈልጡን ክብልዑ ከምዘይድልዩ'ዮም ዝዛረቡ።

"ከም ኣኽላባትን ደማሙን ዝበሉ እንስሳ ዘቤት ካብ ካልኦት እንስሳታት ንላዕሊ ምስ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝመስረቱ'ዮም። ስለዚ እገዳ ምብላዕ ኣኽላባትን ደማሙን ኣብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሆንግ ኮንግን ታይዋንን ልሙድ ተርእዮ እዩ" ክብል ምምሕዳር ከተማ ሽንዘን ከምዝተዛረብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

"እዚ እገዳ'ዚ ኸኣ ንጠለብን መንፈስን ስልጣነ ሰብ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ።"

ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰላት እንስሳታት (HSI) ነቲ ስጉምቲ ንኢድዎ'ሎ።

"እዚ፡ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ዓመት ዝግበር ጨካን ቅትለት ናይ 10 ሚልዮን ኣኽላባትን 4 ሚልዮን ደማሙን ደው ክብል ኣብ ምግባር ናይ ብሓቂ ነጥበመቐይሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ዶ/ር ሊ ፒተር፡ ኣብቲ ማሕበር ተኸታታሊ ጉዳያት ቻይና።

ይኹን እምበር፡ እዚ እገዳ ኣብተገልጸሉ እዋን፡ ቻይና፡ ንሓሞት ድቢ ንኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣፍቂዳ'ላ።

ሓሞት ድቢ፡ ካብ ቀድም ጀሚሩ ኣካል ባህላዊ ሕክምና ቻይና ኮይኑ ዝጸንሐ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ፈሳሲ፡ ካብቶም ብሂወቶም ኣብ መካነ እንስሳታት ተታሒዞም ዝርከቡ ድብታት'ዩ ዝውሰድ።

ኣብ ሓሞት ዘሎ፡ 'ኡርሶዲዮክሲኮሊክ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ 'ኣሲድ'፡ ኣብ ኵሊት ዝፍጠር ጸጸር ኣብ ምሕቃቕን፡ ንሕማም ጸላም ከብዲ ንምፍዋስን ይጥቀምሉ።

ንኮሮናቫይረስ ኣብ ምፍዋስ ዘለዎ ኣድማዕነት ዘረጋግጽ ጭብጢ ግን የለን። እቲ መስርሕ ድማ ነቶም እንስሳታት ዘሳቕን ዘጨንቕን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ምስ ሓደ 'ኣኒማልስ ኤስያ ፋውንዴሽን' ዝተብሃለ ካልእ ማሕበር ዝሰርሕ ብራያን ዳሊ ብወገኑ፡ "ነቲ ካብ እንስሳታት ዝመንጨወ ቀታሊ ቫይረስ ንምፍዋስ፡ ኣብ ከም ናይ ድቢ ሓሞት ዝበሉ ካብ እንስሳታት ዘገዳም ዝርከቡ ነገራት ክንምርኮስ የብልናን" ይብል።

ኮሮና
ኮሮና

ዕዳጋታት እንስሳታት ዘገዳም

ኣብ ለካቲት፡ ሰብመዚ ቻይና ንግዲን ምብላዕን እንስሳታት ዘገዳም ኣጊዶም ነይሮም።

እቲ ስጉምቲ፡ ሓደ ኣብ ከተማ ዉሃን ዝርከብ እንስሳታት ዘገዳም ዝሸየጥሉ ዕዳጋ ምንጪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይኮን ከምዘይተርፍ ምስ ተገልጸ'ዩ ተወሲዱ።

እዚ ማለት፡ እቲ ዕዳጋ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ክሓልፍ ዕድል ፈጢሩ ዝብል'ዩ። ዛጊት ውዱእን ንጹርን መደምደምታ ኣይተዋህበሉን ዘሎ።

እቲ ዜና ምስ ተዘርግሐ ግን፡ መንግስቲ ቻይና፡ ነቶም ዕዳጋታት ብምዕጻው፡ ኣብኦም ዝግበር ንግዲ ክእግድ ተራእዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብዓለም ደረጃ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ኣስታት 50 000 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብ ቻይና ጥራይ፡ 81589 ሰባት ተለኺፎም፡ 3318 ድማ ሞይቶም ከም ዘለዉ፡ ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ተመራመርቲ፡ ዛጊት ምንጪ ናይቲ ቫይረስ እንታይ ምዃኑን፡ ብኸመይ ናብ ሰብ ክሰግር ከምዝኸኣለን ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።