እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ መገዲ ኣየር ኣሜሪካ 12 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ መንግስቲ ከምዘድልዮ ገሊጹ
መገዲ ኣየር ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕዳግኡ ዘብጸሓሉ ሃስያ፡ ካብ መንግስቲ 12 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበረሉ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ።
እቲ መገዲ ኣየር ንሰራሕተኛታቱ ብኢመይል ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ "እዚ ሓገዝ፡ ኣብ መጻኢ ካብዚ ዝገደደ ሕሱም ኩነታት እንተጋጠመና'ውን በረራ ክንቕጽል ዝሕግዘና እዩ" ኢሉ።
እዚ ማለት ከኣ "ኣብ ዝቕጽሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ብዘይድልየት ዝፍጸም ምንካይ ሰራሕተኛን መጠን ክፍሊት ኮነ ጥቕማጥቕሚ ኣይክህሉን ማለት'ዩ" ክብል'ውን ኣብሪሁ።
ሰራሕተኛታት "ብፍቓዶም ዕረፍቲ ክወስዱን ዕድሚኦም ከይመልአ ጥሮታ ክወጽኡን" ዕድል ከምዝወሃቦም እውን ገሊጹ'ሎ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2.9 ቢልዮን ከስቢ ዝረኸበ ኮይኑ፡ 1.3 ቢልዮን ዶላር ድማ ንሰብ ብርኪ (ብጽሒት) ኣከፋፊሉ እዩ።
ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ዝርከብ ቁጠባ ኣመሪካ ንምድጋፍ፡ ናይ 2.2 ትሪልዮን ዶላር ድጋፍ ኣጽዲቑ እዩ።
ካብዚ ድማ፡ እቲ 50 ቢልዮን ዶላር ንመገድታት ኣየር ዝወሃብ ኮይኑ ፍርቁ ብሓገዝ ፍርቁ ከኣ ብልቓሕ ዝወሃብ እዩ።
እቲ ልቓሕ፡ እንተወሓደ ክሳብ 30 መስከረም ሰራሕተኛታት ዘይንክዩ እንተኾይኖም ዝወሃቦም እዩ።
"እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣገልግሎት እቲ መገዲ ኣየር ንክቕጽልን ዕድላት ስራሕ ከይንክዩን ዝቐረበ እዩ። ስለዚ ካብዚ ሓገዝ ክንረባሕ ሕቶ ክነቕርብ ሓሳብ ኣለና።" ኢሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ነናይቲ መገዲ ኣየር።
ብዙሓት ሃገራት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዐዕጋት፡ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚረን በረራታት ደው ክብሉ ብምውሳነን፡ መገድታት ኣየር ብፋይናንሳዊ ቅልውላው ክህሰዩ ጀሚሮም እዮም።