ኣብ መላእ ህንዲ ጸጥታ ዓሲሉ ሓዲሩ

መንግስቲ ህንዲ እገዳ ምንቅስቓስ 21 መዓልታት ከም ዝተነብረ ምስ ኣወጀ ብዙሓት ሰባት ክሽምቱ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ህንዲ እገዳ ምንቅስቓስ 21 መዓልታት ከም ዝተነብረ ምስ ኣወጀ ብዙሓት ሰባት ክሽምቱ ወጺኦም
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ መላእ ህዝቢ ህንዲ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ መምርሒ ኣመሓላሊፉ።

እዚ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝቕጽሉ 21 መዓልታት ክቕጽል እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ኩሉ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ገደብ ተገይሩሉ ኣሎ" ኢሉ።

በዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ሰባት ክስንብዱ ከም ዘይብሎም'ኳ እንተኣዘኻኸረ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግን ልዕሊ ዓቐን ንብረት ክሽምቱ ተራእዮም።

ይኩን'ምበር ከምዚ ዓይነት ሸመታ እቲ ቫይረስ ንክላባዕ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ እኹል ቐረብ ከም ዝገብር ብምግላጽ ሰባት ካብዚ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

ሪፖርተራት ቢቢሲ ከም ዝብሉዎ ድማ፡ ሰባት መግብን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ንምዕዳግ ክወጽኡ ይፍቀደሎም ድዩ ዝብል ነገር ግልጺ ኣይኮነን።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ህንዲ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ 519 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከው 10 ድማ ሞይቶም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓን ኣሜሪካን ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ እገዳ ምንቅስቓሳት ክውሰድ ግድን ዝኾነሉ ምክንያት ከብርህ እንከሎ፡ ሃገር ንምድሓን'ዩ ክብል ገሊጹዎ።

"እዛ ሃገር ሙሉእ ክትውሸብ'ያ፤ ህንድን ኩሉ ዜጋን ንምድሓን . . . ስድራኹም ንምድሓን፡ ኩሉ ጎደናታት፣ ኩሉ ዓድታት ህንዲ ካብ ምንቅስቓስ ዝተገደበ ክኸውን ገይርና ኣለና" ኢሉ።

ኣብዘን 21 መዓልታት እዚ ክንቆጻጸሮ እንተዘይክኢልና ግን፡ "ሃገርና ን21 ዓመታት ንድሕሪት ክትጉተት'ያ" ክብል ኣጠንቂቑ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ኣብ መግለጺኡ፥

  • እዚ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ምውሻብ መምርሒ፡ "ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ"
  • ዓበይቲ ሃገራት ከይተረፋ እዚ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ከም ዝተፈተና ብምግላጽ፡ ኩሉ እዚ ኩነታት ዘሻቕል ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ
  • እዚ ብቕልጡፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንከላኸለሉ ቀንዲ መገዲ "ማሕበራዊ ርሕቀት ምሕላው'ዩ"
  • ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ንምምሕያሽ 2 ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ገንዘብ ሓገዝ ክግበር'ዩ
  • ሰባት "ዘይተጨበጠ ዘረባ" ከየጋፍሑ ክጥንቀቑን ዝወጽኡ መምርሒታት ክትግብሩን ኣተሓሳሲቡ።

ብርክት ዝበላ ዞባታት ህንዲ ኣቐዲመም ብተበግሶአን ጉዕዞ ብምእጋድ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ኣገልግሎታት ብምዕጻው ክከላኸላ ጸኒሐን እየን።

ህንዲ ዓለምለኻውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበሩ በረራታትን ኣጊዳ'ያ። ባቡር እታ ሃገር'ውን ዝህቦ ኣገልግሎት ደው ኣቢሉ ይርከብ።