ምምሕዳር ከተማ ጎንደር፡ ብስም 'ፋኖ' ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ገበን ይፍጽም ኣሎ ኢሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጎንደር ከቢድ ተኩሲ ተኸፊቱ ከምዝሓደረ ክዝረብ ቀንዩ እዩ። ቢቢሲ መበገሲ ናይቲ ተኹሲ ንምፍላጥ ተወሳኺ ሓበሬታ ክረክብ ግን ኣይከኣለን።

እቲ ተኹሲ ግን ኣብ መንጎ 'ፋኖ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለን ኣብ መንጎ ወተሃደራት መንግስትን ከምዝኾነ ይዝረብ።

ኣብቲ እዋን እንታይ ተፈጡሩ ከምዝነበረ ንምግላጽ፡ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ሎሚ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

እቲ መግለጺ፡ 'ዘይሕጋዊ' ክብል ዝጠቐሶ ብስም 'ፋኖ' ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ እቲ ተኹሲ ከምዘጋጠመ ኣብሪሁ።

በቲ ዝተልዓለ ተኹሲ ድማ፡ ናይ ሰብ ህይወት ሓሊፉ ንብረት ድማ ዓንዩ እዩ ኢሉ።

እቲ መገለጺ፡ ነቲ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐሽ ክንፊ 'ፋኖ' ብርክት ዝበሉ ገበናት የይፍጽም ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ይፍጽሞም ኣሎ ንዝበሎም ገበናት'ውን ዘርዚሩ።

ብዘይ ሕጋዊ መገዲ፡ ኣብ ከተማ ዕጥቂ ሒዙ ይንቀሳቐስ፤ ናብ ከተማ ይኣቱን ይወጽእን፤ ከምኡ ድማ ዓሌት እናቖጸረ፡ ናይ ውልቀ ሰባት ገዛውቲ ናብ ካምፕ ይቕይር፡ ሰባት ይቐትልን ይኣስርን፡ ገንዘብ ይእክብ፡ ናይ ከተማ መሬት ሓጺሩ ይሕዝ ክብል ነቲ ጉጅለ ከሲስዎ።

እሱር ብዘይሕጋዊ መገዲ የፍትሕ፡ ካብ መደበር ፖሊስ ኣጽዋር ይዘምት ክብል'ውን ተሓታቲ ገይርዎ። እቲ ምምሕዳር፡ ኣባለት ናይዚ ጉጅለ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ክምለሱ ኣብ መግለጺኡ ሓቲቱ።

ገለ ኣባላት፡ ረቋሒ ዘማልኡ እንተኾይኖም፣ ናብ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ክጽምበሩ፣ ናይ መስርሒ ቦታ ክረኽቡን ኣብ ሕርሻን ካልእ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕ ክዋፈሩን ከም ፍታሕ ኣቕሪቡ ።

እቲ "ዘይሕጋዊ" ጉጀለ፡ በዚ ዘይስማማዕ እንተኾይኑ ግን መንግስቲ ስጉምቲ ከምዝወስድ እቲ ምምሕዳር ኣጠንቂቑ።

እዚ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣባላቱ ክሳብ መጋቢት 20/2012 ንመንግስቲ ኢዶም ክህቡ ድማ ገደብ ግዘ ኣቕሚጡ።