እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠርጠሩ 74 ሰባት ነጻ ተባሂሎም
ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዘ ኮሮናቫይረስ ምስ ዝተረኸቦ ጃፓናዊ ርክብ ነይሩዎም ካብ ዝተብሃሉ 113 ውልቀሰባት እቶም 74 ናጻ ከም ዝኮኑ ተፈሊጡ።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረሰተብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ዝተረፉ ጥርጡራት ንምፍላጥ ፈሊኻ ኣብ ዝጸንሕሉ ቦታ ኮይኖም ውጽኢቶም ይጽበዩ ኣለው ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ሓሙስተ ሰባት በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።
በዚ ሕማም ካብ ዝተለኸፉ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ሰለስተ ጃፓናውያን እዮም።
ብተዛማዲ ዜና፤ ምስ እዞም ሓሙሽተ ሰባት ርክብ ነይሩዎም ተባሂሎም ዝተፈለዩ 992 ሰባት፡ ን14 መዓልታት ዓርሶም ፈልዮም ከም ዝጸንሑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ምልክት እቲ ቫይረስ ንዝርኣዮም ሰባት ከምኡ'ውን በቲ ቫይረስ ንዝተሓዙ ተሃነጽቲ ሕጊ ፈሊኻ ንምሕካም ዘኽእል ቦታ ከም ዝተዳለወ ድማ ምምሕዳር ኣብያተ ህንጸት ገሊጹ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ገረመው ኣያሌው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ቦታ ብልምዲ ኣባሳሙኤል ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝርከብ ሓድሽ ቤት ህንጸት እዩ ኢሉ።
ቀረብ ናውታት መሐለዊ ጽርየት ድማ ከም ዝውስኽ ብምግላጽ፤ ኣብ ቤት ህንጸት ዘሎ ኩነታት ዝከታተል ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምራሕ ጉጅለ ከም ዝተወደበ ገሊጹ።
ቻይናውያን ኣብ ኢትዮጵያ
ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ቻይናውያን ናብ ሃገሮም ንከይምለሱ ኣብ ኢትዮጵያ ንምጽናሕ ዘኽእሎም ቪዛ ይሓቱ ኣለው።
እዞም ቻይናውያን ንዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑን ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ዝተዋህቦም ቪዛ ግዘ ምስኣኸሎ፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ይሓቱ ኣለው።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ቦሌ ሓላፊ ኢምግሬሽን ኣቶ ኣይክፋው ጎሳዬ፡ ቑጽሮም ውሑድ ዘይበሃል ቻይናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ንምጽናሕ ዘኽእሎም ሕቶ ቪዛ ኣቕሪቦም ምላሽ ይረኽቡ ኣለው ኢሉ።
"እዞም ቻይናውያን ኣብ ሃገሮም ብዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለ ዝሰግኡ'ዮም ኣብ ኢትዮጵያ ንክጸንሑ ሕቶ ዘቕርቡ አለው" ዝበለ ኣቶ ኣይክፋው፤ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ሕቶ ንዘቕርቡ ዘለው ቻይናውያን ኾነ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሕሉ ግዘ ክናዋሕ ይግበር ኣሎ ኢሉ።
ብካልእ ወገን፡ ኣብ ገለ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መጥቀሚታት ብርክት ዝበሉ ጥልያናውያን በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሑ ዘኽእሎም ቪዛ ግዝኡ እንተኣኸለ'ውን ኣብ ሃገሮም ዘሎ ለበዳ እዚ ቫይረስ ስለ ዘስግኦም ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቦም ንዝብል ዘረጋግጽ ሓበሬታ ኣይተረኸበን።
ቢቢሲ እዚ ንምጽራይ ናብ ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልኪ ብምድዋል ዝሓተተ ኮይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ዘይቐረበን እቲ ዝተባህለ ነገር "ሓሶት" ከም ዝኾነን ዝሕብር ምላሽ ረኺቡ።