ኣምሓራ፡ በዓልቲቤቱ ክቐትል ዝፈተነ ውልቀሰብ ህይወት 4 ሰባት ለኪሙ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ መንዝ ጌራ ሓደ ውልቀሰብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም።

ካልኦት 16 ሰባት ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖም ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን እታ ወረዳ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ጌትነት ኣጎናፍር፡ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ሰዓት 01፡15 ኤፍ ዋን ብዝተብሃለ ቦንባ ኢድ፣ ብሽጉጥን ካራን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ፤ ካልአት 16 ሰባት ቖሲሎም ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ 'መሃል ሜዳ' ቀበሌ 03 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ እንዳ መስተ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ በዚ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት እቶም ክልተ ካብቲ ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ ብዝተተሰሎም ጥይት ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ድማ እቲ ውልቀሰብ ብዘፈንጀሮ ቦንባ ምኻኑ ሓቢሩ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ፡ ስብኣይ ጓል ዋናኒት እቲ እንዳ እንደ መስተ ከምዝኾነ ናይቲ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ከተማ ከተማ ኢንስፔክተር ጥላሁን ደበበ ኣብሪሁ።

እቲ ውልቀ ሰብ ዝጸንሐ ናይ ገበን ታሪክ ከምዘለዎን፡ ቅድም ክብል በዓልቲ ገዝኡ ብሽጉጥ ክቐትል ስሒትዋ ብዋሕስ ከምዝወጸን ወሲኹ ኣረዲኡ።

እቲ ትማሊ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ድማ ነታ ሰበይቱ ክቐትል ሃቂኑ ከምዝፈጸሞ'ኳ እታ ውልቀሰብ ጉድኣት ከምዘይበጽሓ ተዛሪቡ።

ብጥይትን ቦንባን መጥቃዕቲ ካብ ዝበጽሖም ሰባት እቶም ሰለስተ ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዘረጋገጸ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካብቶም ዝቖሰሉ እቶም ሽዱሽተ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሕክምና ይረክቡ ዘለው ኮይኖም፡ እቶም ሰለስተ ግን ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ደብረብርሃን ከም ዝተልኣኹ እማ እቲ ሓላፊ ኣረጋጊጹ።

በዓልቲ ቤት እቲ እንዳ መስተ'ውን ብሽጉጥ ካብ ሞንጎ ዝተሃረሙ ሰባት ምኻነን ነበርቲ ገሊጾም።

እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ እንዳ መስተ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ ምስ ኣብጽሐ ኣብ መገዲ ዝረኸቦ ናብ ገዝኡ ዘምርሕ ዝነበረ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ኣብ ኢዱ ብካራ ብዘብጽሐሉ መጥቃዕቲ ከም ዝቖሰለ ኣቶ ጌትነት ገሊጹ።

እቶም ዝተረፉ ድማ ዝበጽሖም መጉዳእቲ ቀሊል ብምኻኑ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለው።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብታ ከተማ ሓደ ሰብ ርእሱ ብፋስ ተወቒዑ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ኣቶ ጌትነት ኣጎናፍር ንቢቢሲ ገሊጹ።

እዚ ምስቲ ምኽንያት ሞት ካልኦት ሰባት ዝኾነ መጥቃዕቲ ዝተኣሳሰር ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።

ኣብ ጥቕኡ ንመንነቱ ዝገልጽ መመለዪ መንነት ወይ ካልእ መረዳእታ ስለ ዘይተረኽበ ማንነቱ ክረጋገጽ ከም ዘይጠክኣለ እውን ሓቢሩ።

እዚ ውልቀ ሰብ ተቐቲሉ ዝተረኸበሉ ቦታ፡ ብቦንባን ጥይትን ጥቃዕቲ ካብ ዝተፈጸመሉ ቦታ ብውሑድ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ርሕቕ ኢሉ ምኻኑ ተፈሊጡ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ሃዲሙ ዘምለጠ ኮይኑ፤ ኣብዚ ህጂ እዋን ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን መገዲ ዓጽዮም ተፍትሽ ብምክያድ ገበነኛ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ክብል ኣቶ ጌትነት ተዛሪቡ።