ካብ ኮሮናቫይረስ፡ ንርእስኹም ከመይ ትከላኸሉ?

ናይ ገጽ መሸፈኒ ዝወደዩ ክልተ ሰባት ሞባይል እናረኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብርቱዕ ሕማም ሳንቡእ ዘስዕብ ፈለማ ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ቫይረስ ናብ ልዕሊ 80 ሃገራት ተዘርጊሑ ምህላው ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ዛጊት ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም እዮም።

ምልክታት እቲ ሕማም

ብረስንን ደረቕ ሰዓልን ይጅምር። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም የስዕብ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ፡ ክሳብ 14 መዓልቲ ዝኾነ ምልክት እቲ ሕማም ከየርኣየ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

ገለ ተመራመርቲ ግና ክሳብ 24 መዓልቲ'ውን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ስእላዊ መግለጺ ኮሮናቫይረስ

ሓደ ሓደ ሰባት፡ ምልክት እቲ ሕማም ከየርኣዩ፡ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ቻይናውያን ሓካይም ይሕብሩ።

ዓይነታት መሸፈኒ ገጽን ጥቕሞምን

ኮሮናቫይረስ ወይ ኮቪድ-19 ፈውሲ ኣለዎ ዶ?

ነቲ ቫይረስ ካብ ኣካላትና ዘወግድ ፈውሲ የለን። ሓካይም፡ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣድላዩ ዝኾነ ካልእ ክንክን ከም ዝረኽቡ ብምግባር፡ ዓቕሚ ምክልኻል ኣካላቶም (immune system) ከም ዝሕይል ብምግባር እዮም ዝሕክምዎም ዘለው።

ዛጊት ነቲ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል ክታበት ኣይተረኽበን።

ገለ ካብቲ ዝግበረሎም ክንክን፡ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ከም ዝረኽቡን፡ ግቡእ መግብን ማይን ከም ዝሰትዩን ምግባርን'ዩ።

ክታበት ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ኩባንያታትን ትካላትን ፈተነታት ይግበር ኣሎ።

ገለ ሆስፒታላት ድማ፡ ናይ ካልኦት ዓይነት ቫይረሳት ኣፋውስ ክሕግዝ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ፈተነታት የካይዳ ኣለዋ።

ኣለይቲ ሕምማን ክገብርዎ ዝግባእ ጥንቃቐታት ዘርእይ መግለጺ

ብኸመይ ንርእስና ክንከላኸል ንኽእል?

መግለጺ ቪድዮ, ኣእዳውካ ብዝግባእ ምጽራይ፤ ሓደ ንምምሕልላፍ ኮሮናቫይረስን ካልእ ሕማማትን እንከላኸለሉ ኣገባብ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝህቦም ምኽርታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

  • ኣእዳውኩም ተሓጸቡ- ሳሙናን ናይ ኢድ መሕጸቢ 'ጀል'ን ንቫይረስ ክቐትል ይኽእል'ዩ።
  • ክትስዑሉ ከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ተሸፈኑ- እንተ ተኻኢሉ ብ 'ቲሹ' (ሶፍት)- ድሕሪኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
  • ዓይንኹም፡ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩም ኣይትሓዙ - በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ነገራት ምስ እትሕዙ ናብ ኣካላትኩም ክሰግር ስለዝኽእል።
  • ናብ ዝስዕሉ ይኹን ዝህንጥሱ ወይ ድማ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ኣይትጸግዑ - እቲ ቫይረስ ከናጥርዎ ስለዝኽእሉ - እንተ ተኻኢሉ ሓደ ሜትሮ ካብኦም ክትርሕቁ ይምረጽ።

ባዕልኹም ወይ ካልኦት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ እንጠጢርኩም

ንርእስኹም ካብ ካልኦት ሰባት ብምፍላይ፡ ኣብ ገዛኹም ጽንሑ፤ ካልኦት'ውን ከምኡ ክገብሩ ኣተባብዕዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ እንተለኹም ድማ 8335 ብምድዋል ንኢንስቲትዩት ማሕበረሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍልጡ።