ሮናልዲኖ ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ ተባሂሉ ተታሒዙ

ብራዚላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ዝነበረ ሮናልዲኖ፡ ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ ተባሂሉ ብፖሊስ ፓራጓይ ተታሒዙ ከምዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ምስ ሓው ዘዕረፈሉ ሆቴል ትማሊ ሮቡዕ ብፖሊስ እታ ሃገር ተፈቲሹ። ካልእ ምስኦም ዝተጓዕዘ ወዲ 45 ዓመት እውን ብፖሊስ ተታሒዙ'ሎ።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፓራጓይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተጻወታይ ይምርመር ኣሎ እምበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘይኣተወ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ነቲ ዝቐረበሎም ገበን ከምዝነጸግዎን ምስ ፖሊስ ብጽቡቕ መንፈስ ይተሓባበሩ ምህላዎምን ኣመልኪቱ።

ኣብ ሓምለ 2019፡ ቀረጽ ኣይከፈልካን ተባሂሉ ከምኡ'ውን ኣብ ሕዛእቲ ህንጻ ሰሪሕካ ተባሂሉ ናይ ብራዚልን ስጳኛን ፓስፖርቱ ከምዝተሃገረ ይግለጽ።

እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝኾነ ኮኾብ ተጻወታይ ነበር፡ መጽሓፍ ንምልላይን ብዛዕባ ኣላዪ ዘይብሎም ቈልዑ ክጉስጉስን እዩ ንፓራጓይ ገይሹ።

ኣብ ክለብ ባርሳ ዘደንቕ ብቕዓትን ዓበይቲ ዓወታትን ዝሓፈሰን ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝተሰመየን ሮናልዲኖ፡ ኣብ 2002 ምስ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ብራዚል ኮይኑ ዋንጫ ዓለም ዓቲሩ ነይሩ።

ናይ ሮናልዲኖ ሃብቲ ኣስታት 80-100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝበጽሕ ይግመት። ኣብ ኢንስተግራም፡ ንሓንቲ ነገር ክወዓውዕ (ከላሊ) ክሳብ 150 ሽሕ ፓውንድ የኽፍል።