ኮቪድ-19፡ ህንዲ ሰደድ ኣፋውስ ብምግዳባ ሕጽረት ከየጋጥም ተሰጊኡ

ፓራስታሞል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓራስታሞል

ህንዲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ወጻኢ እትልእኾም ገለ ኣፋውስ ብምግዳባ፡ ብደረጃ ዓለም ሕጽረት ልሙዳት መድሓኒታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

እዛ ናይ ዓለምና ዓባይ ኣቕራቢት ኣፋውስ፡ መድሓኒት ንምፍራይ ዝውዕሉ 26 ጥረ ነገራትን ካብኦም ዝስርሑ አኣፋውስን ናብ ወጻኢ ኣብ ምልኣኽ ገደብ ገይራ'ላ።

እዚ ገደብ፡ ኣብ ዓለም ሰባት ብሰፊሑ ዝጥቀሙዎ መዐገሲ ቃንዛ [ፓራሴታሞል] እውን ዝሓውስ'ዩ።

ኣብ ቻይና ዝርከቡ ቀመምቲ መድሓኒት ኩባንያታት ገሊኦም ተዓጺዮም ገሊኦም ድማ ፍርያቶም ነክዮም ይርከቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ህንዲ ናብ ወጻኢ እትልእኾ መድሓኒት ክትግደብ ከምዘገደዳ ይእመን።

ኣፍረይቲ መድሓኒት ህንዲ፡ ዳርጋ 70 ሚእታዊት ዘፍርዩዎም ኣፋውስ ኣብ ቻይና ጽግዕተኛ እዮም።

ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ በቲ ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነት ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ሕጽረት መድሓኒት ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ ሰብ ሞያ ኢንዳስትሪ ኣጠንቂቖም።

"ኣብ ቻይና ዘይፈርዩ ኣፋውስ'ውን እቲ ንጥረ ነገሮም ካብ ቻይና'ዩ ዝመጽእ። ቻይናን ህንድን ብዝኸፍአ ደረጃ በዚ ቫይረስ እንተ ተጠቒዐን ብደረጃ ዓለም ሕጽረት ከጋጥም'ዩ" ክብል ተንታኒ ዕዳጋ ዓለም ጉጅለ መጽናዕቲ ዕዳጋ ቻይና ሻን ሪን ተዛሪቡ።

በዚ ድማ፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝውዕሉ ቫይታሚናትን ኣፋውስን ሕጽረት ከጋጥም ከምዝኽእል ይግለጽ።

በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ኦክስፎርድ ስቴፈን ፎርማን ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኣፋውስ ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ፡ ኣብ ዕዳጋ ሕጽረት ኣፋውስ ከም ዘሎ ዘመላኽት'ዩ።

"ንህንዲ ዝኣቱ ቀረብ ቅመማት ብምንካዩ ኣብ ኣፋውስ ወሰኽ ዋጋ ከጋጥም ክኢሉ ምህላው ምልክታት ኣሎ" ኢሉ።

ክስተት ኣብ መላእ ዓለም ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ፍርያት ኢንሱሊን ከይተረፈ ሕጽረት ከጋጥም ከም ዝኸኣለ ኣፍረይቲ ይገልጹ።

መንግስቲ ህንዲ ግን፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝኽእል እኹል ትሕዝቶ ኣሎ ኢሉ ነይሩ።