ካብ ተራ ዋርድያ ክሳብ ሚኒስተር ሓበሬታ ዝበጽሐ ሶማላዊ

መብዛሕቱ እዋን ካብ ተራ ወርዳያ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስራሕ ዝድይቡ ክትሰምዕ ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።

ሱለማን ዮሱፍ፡ ኣብ 1984 ዋርድያ ናይታ ብመንግስቲ ሶማሊ ላንድ እትውነን ዝነበረት ሬድዮ ሃርገሳ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ። እታ ሬድዮ ኣብ ቀጽሪ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሓበሬታ እያ ተደኲና ነይራ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብታ መጀመርያ ዋርድያ ኮይኑ ዝተቖጸረላ ህንጻ፡ ሚኒስተር ሓበሬታ ኮይኑ ከሰርሕ ጀሚሩ'ሎ።

"ኣብቲ ሕሉፍ እዋን፡ ኣብቲ ህንጻ ክኣቱ ኣይፍቀደንን ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ናተይ ደረጃ ስራሕ ተራ ዋርድያ እዩ ነይሩ" ይብል።

ዋርድያ ኮይኑ ክሰርሕ እንከሎ፡ ወርሓዊ $12 ዶላር'ዩ ዝኽፈሎ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ከም ሚኒስተሪ ሓበሬታ ሶማሊ ላንድ፡ ኣብ ወርሒ $2000 ዶላር ይኽፈሎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ከባቢ $705 ዶላር ከም ኣበል ይቕበል።

ሱለማን ዮሱፍ፡ ቅድሚ ሚኒስተር ምዃኑ ኣብ ዝተፈለለዩ ጽፍሕታት ከም ምኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጀሚሩ ግን፡ ኣብታ ገዛይ ዝብላ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስተር ሓበሬታ ኮይኑ ተመዚዙ።

"ብንእሽተይ እንከሎኹ ኣብዚ ቦታ ስራሕ ስለዝጀመርኩ፡ እዚ ቦታ ኣብ ህይወተይ ፍሉይ ጦብላሕታ እዩ ዝፈጥረለይ " ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ማሊ ላንድ

ሶማልያ፡ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ጀነራል መሓመድ ስያድ ባረ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ናይ ዕግርግርን ኲናትን ምስ ኣተወት፡ ሶማሊ ላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነት ኣብ 1991 ኣዊጃ።

እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዝኾነት ሃገር ወይ ማሕበር ኣፍልጦ ዝሃባ የለን።

እታ ኣብ 1990 ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ካብ እትእውጅ ክሳብ ሕጂ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይረኸበት ሶማሊ ላንድ፡ ክሳብ ሕጂ ሓያሎ ደሞክራሲያውን ሰላማውን ምርጫ ብምክያድ ዘደንቕ ሰላማዊ ምስግጋር መንግስቲ ከምዘካየደትን ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈትን ኮይና ምህላዋ ጸብጻባት የመልኽቱ።