ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢራን ብኮሮናቫይረስ 210 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኢራን፡ ብውሑዱ 210 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምዝሞቱ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዝሰርሑ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ካብ ከተማ ተህራን ከምኡ'ውን እታ ናይ መጀመርያ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየላ ከተማ ኳም እዮም።
እቲ ዝወጸኣ ጸብጻብ፡ ካብቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝተውሃበ ጸብጻብ ብሽድሽተ ዕጽፊ እዩ ዝዓቢ።
መንግስቲ ኢራን ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ በቲ ሕማም ዝሞቱ ከባቢ 34 ከምዝኾኑን፤ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ድማ 388 በጺሑ ከምዘሎን ገሊጹ።
ኣፈኛ ምኒስትሪ ጥዕና፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ንጹር ሓበሬታ ከምዝህብ ብምሕባር፡ ነቲ ብቢቢሲ ዝወጸ ጸብጻብ ነጺግዎ'ሎ።
መንግስቲ አሜሪካ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻብ ዕቃበታት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ፡ ንኢራን ሓገዝ ክትህባ ከምዝሓተት ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ፡ ትሕተ-ቕርጺ ጥዕና ኢራን ብዙሕ ምዕቡል ብዘይምዃኑ፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ዘተኣማምን ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ግን፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ ነጺግዎ'ሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሰብ መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓገዞም ከወፍዩ ናብ ኢራን ክኣተው ምዃኖም ገሊጹ።
ብዓለም ደረጃ ቁጽሪ ልኹፋት ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 80 ሽሕ ክዓርግ እንከሎ፡ ካብዚኣቶም ኣስታት 2,800 ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ እዩ ዝግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







