ስምምዕ ከይተፈረመ፡ ግድብ ህዳሰ ማይ ክመልእ የብሉን- መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ

ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ማይ ምምላእን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ፈተነ ቅድሚ ምጅማሩን፡ እተን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ክፍርማ ከምዘለወን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብዘውጸኦ መግለጺ ገሊጹ።

ሚኒስተር ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ቅድም ክብል ህንጸት እቲ ግድብ ነተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ዝረአ ጉድኣት ከብጽሕ የብሉን ዝብል ስምምዕ፡ "ነቲ ግድብ ናይ ምምላእን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ፈተነን ክካየድ የብሉን" ኢሉ።

ሚኒስተር ስቴቨን ምኑቺን ብተወሳኺ፡ ነቲ ግድብ ናይ ምምላእ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ፡ እተን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ክፍርማ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቡ።

በዚ መሰረት እተን ሃገራት ኣብቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ፡ ቀልጢፈን ኣብ ምርድዳእ ክበጽሓ ከምዘለወን ዝሕብር መግለጺ እቲ ሚኒስተር፡ ግብጺ ነቲ ስምምዕ ንምፍራም ዘርኣየቶ ተበግሶ ንኢዱ።

ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ኣመልኪታ እትገብሮ ዘላ ሃገራዊ ዘተ ከምዝርዳእ ዝሕብር መግለጺ እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ዘተ ቀልጢፉ ተወዲኡ፡ እቲ ስምምዕ ቀልጢፉ ክፍረም ድልየት ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእን ምስዳድን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ፡ ከምኡ'ውን ድሕነት እቶም ዘይተወድኡ ስራሓት እቲ ግድብ ብዝተኣማምን ደረጃ ከምዝከናወን ምርግጋጽን፡ ከምኡ እውን ነቲ ግድብ ቅድሚ ምምላእ ኩሎም ኣድለይቲ ዝበሃሉ ቅድመ ኩነታት ንምምላእን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ፡ ንስክፍታ ህዝብታት ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ፡ ግብጽን ሱዳንን ብዝግባእ ምርዳእን ኣብ ሃናጺ ስምምዕ ምብጻሕን ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ዓርቢ ለይቲ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ለካቲት 19 ክሳብ 20/2012 ዓ.ም ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ዘተ፤ እተን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ዝጀመርክዎ ሃገራዊ ምርድዳእ ስለዘይወዳእኩ ክሳተፍ ኣይክእልን ብምባላ እቲ ዘተ ኣይተኻየደን።

ሚኒስተር ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ቴቨን ምኑቺን፡ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ሃገራት ሱዳንን ግብጽን፡ ሕድሕዳውን ሓበራውን ዘተ ከመዘካየደ'ውን ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ቀልጢፉ መዕለቢ ክረክብ ተሪር ቅዋም ከምዘለዋ ዝገለጸት ኣመሪካ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ክሳብ ዝፍርማ፤ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ተሳትፎኣ ከምእትቕጽል ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ፡ ብናይ ሰለስቲአን ሃገራት ኮሚቴ ሕግን ቴክኒካዊ ጉዳያትን ዝቐረቡ ሓሳባት መሰረት ብምግባር፡ ሰነድ ስምምዕ ክዳሎ ትተሓባብር ከምዝነበረትን፡ ባንኪ ዓለም 'ውን ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ተሳትፎ ከምዝገበረ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።