'ኣዛዚ ፖሊስ ብራዩ ቀቲሎም' ዝተብሃሉ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ትማሊ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ቡራዩ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዝኾነ ኮምሽነር ሰለሞን ታደሰ ቀቲሎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣባላት ሰራዊት ኦነግ ነበርን 'ኣባ ቶርቤን' ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓለ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ገሊጹ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ብራዮ ኣብ ሓደ ሆቴል ምስ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮምያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ከምኡ እውን ካሊእ ሓደ ፖሊስ ምስሖም እናተመገቡ እንከለዉ ተኹሲ ተኸፊትዎም ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኮምሽነር ሰሎሞን ታደሰ ሽዑ ንሽዑ ክመውት እንከሎ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ መቑሰልቲ ኣጋጥምዎም'ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ኦነግን ኣባ ቶርቤን ነበር ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት ድማ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት ቁጽሮም ክንደይ ከምዝኾነን እቶም ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዝግብኦም ከምዝተነጸሩን ግን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ቡራዩ ይኹን ኣብ መላእ ኦሮምያ ሓልሓሊፉ ጎንጽታትን ህወከትን እንትለዓል ሽም 'ኣባ ቶርቤ' ዝብል መጸውዒ ጉጅለ ብጥቑልሉ ከምዝለዓል ዘዘኻኸረ እቲ ሓላፊ፡ ዕላማን ተልእኾን እዚ ጉጅለ ብዝግባእ ተመርሚሩ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕዚ መሪሕነት ኦነግ 'ኣባ ቶርቤ' ምስ ዝበሃል ጉጅለ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ቡራዩ ኣብ ሓደ ሆቴል ምረቓ ብዘጓነፈ ዘይምርድዳእ ኣብ ልእሊ ድምጻውያንን ዕዱማት ኣጋይሽን ጉድኣት ኣጋጢሙ ነይሩ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ ትማሊ ዝተቐትለ ፖሊስ ኮምሽነር ሰሎሞን ታደሰ ሎሚ ከምዝፍጸም'ውን ካብ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ ምርዳእ ተኻኢሉ እዩ።