ኮሮናቫይረስ፡ ኣሜሪካ ኣብ ጃፓን ኣብ መርከብ ተወሺቦም ዝጸንሑ ዜጋታታ ወሲዳ

ኣሜሪካ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ መርከብ 'ዳየመንድ ፕሪንሰስ' ተወሺቦም ዝጸንሑ ዜጋታታ ብኽልተ ነፈርቲ ወሲዳቶም።

እተን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተኻረያ ነፈርቲ፡ ሰኑይ ንጉሆ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቶክዮ ከም ዝነቐላ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን ሓቢረን።

ኣብታ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ 3 ለካቲት ጀሚራ ተታሒዛ ዝጸንሐት መርከብ ዳየመንድ ፕሪንሰስ፡ ከባቢ 400 ኣሜሪካውያን ሒዛ ምንባራ ይግለጽ።

ካብኣቶም ብውሕዱ 40 ኣሜሪካውያን በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን ኣብ ጃፓን ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝግበረሎምን ተፈሊጡ።

ኣብታ ኣብ ወደብ ዮኮሃማ ተወሺባ ዘላ መርከብ ዳየመንድ ፕሪንሰስ ከባቢ 3700 ገያሾን ሰራሕተኛታትን ምህላዎም ይግለጽ።

ሓደ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ገያሾ፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ምስ ወረደ እቲ ቫይረስ ምስ ተረኽቦን እዩ እታ መርከብ ክትውሸብ ዝተወሰነ።

እታ መርከብ ካብ ቻይና ወጻኢ ዝበዝሑ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝርከቡሉ ስፍራ ኮይና ኣላ።

ሰብመዚ ጃፓን ብሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 70 ናብ 355 ከም ዝደየበ ገሊጾም።

እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣሜሪካውያን ኣብ ጃፓን ሕክምና ከም ዝግበረሎም ዳይረክተር ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ተዛሪቡ።

ዛጊት ቁጽሪ ናይቶም ናብ መደበራት ሓይሊ ኣየር ዝግዕዙ ኣሜሪካውያን ኣይተነጸረን ኣሎ።

"ኣብተን ነፈርቲ ምልክታት እቲ ቫይረስ ዝተርኣዮም ገያሾ ከም ዝፍለዩ ክግበር እዩ" ኢሉ ዶክተር ፋውቺ።

እቶም ናብ ኣሜረካ ዝጎዓዙ ዜጋታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብታ መርከብ ዝጸንሕዎ፡ ን14 ተወሳኺ መዓልቲ ክውሸቡ እዮም።

ገለ ኣሜሪካውያን ግና ምውሻብ እታ መርከብ ክሳዕ ዘብቅዓሉ፡ 19 ለካቲት ኣብታ መርከብ ክጸንሑ ምኳኖም ብምግላጽ ናብ ሃገሮም ምዃድ ኣብዮም።

ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ፡ ማት ስሚዝ ዝተብሃለ ጠበቓ፡ በቲ ሕማም ተለኺፎም ክኾኑ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ብኣውቶቡስ ክኸይድ ከም ዘይደልይ ተዛሪቡ።

ዜጋታት እስራኤል፡ ሆንግ ኮንግን ካናዳን እውን ክግዕዙ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

መንግስቲ ጃፓን ነቲ ኩነታት ንምህዳእ፡ ነቶም ኣብታ መርከብ ተታሒዞም ዘለው ገያሾ 2,000 ኣይፎን ዝዓይነተን ቴለፎናት ከም ዝዓደለ ተገሊጹ።

እቶም ገያሾ ኣብተን ቴለፎን ዝተጻዕነ ብሚኒስትሪ ጥዕና ጃፓን ዝማዕበለ መተግበሪ (ኣፕ) ብምጥቃም ምስ ሓካይም፡ ፋርማሲስትን ኣማኸርቲ ጥዕና ኣዕምሮን ክራኸቡ ክኽእሉ እዮም።

ኣብ ጃፓን ዘይተመዝገባ ቴለፎናት ግና ነቲ መተግበሪ ክጥቀማ ኣይኽእላን።