ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ ተናዊሑ

10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክካይድ ተባሂሉ ብጊዝያዊነት መደብ ተታሒዝዎ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ናብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝተናውሐ፡ ቦርድ መረጻ ገሊጹ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ።

ቅድም ክብል እቲ ቦርድ መረጻ ዝወሰኖ ግዘ፡እዋን ክረምቲ እዩ ብዝብል ብዙሓት ወገናት ተቓዊሞምዎ ነይሮም።

እቲ መረጻ ብ13 መዓልቲታት ክናዋሕ ዝተገበረሉ ምኽንያት 'ውን ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ካብ መፋርቕ ነሓሰ ዝሓሸ ዝነከየ ዝናብ ክህሉ ይኽእል እዩ ብዝብል ከም ዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።

በቲ ሐዚ ወጺኡ ዘሎ ሰሌዳ ግዘ፡ ናይ ክልላት መረጻ ካርታ መጋቢት 01/2012 ዕላዊ ዝግበር ኮይኑ፡ ዝርዝር ጣብያታት መረጻ ድማ መጋቢት 28 ዕላዊ ክግበሩ እዮም።

ሚያዝያ 14 ክሳብ ግንቦት 23 ናይ መረጽቲ ምዝገባ ዝካየደሉ እዋን እንትኾን፡ ኣብቲ መረጻ ናይ ዝወዳደሩ ሕጹያት ምዝገባ ድማ ካብ ግንቦት 05 ክሳብ ግንቦት 19 ከምዝካየድ ተገሊጹ ኣሎ።

ብተወሳኺ

  • ጎስጓስ ምረጹኒ ዝካየደሉ እዋን ካብ 21 ግንቦት ክሳብ 18 ነሓሰ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኮይኑ፡ ካብ 19 ነሓሰ ጀሚሩ ግን ወፍሪ ምረጹኒ ምግባር ኣይፍቀድን
  • 23 ነሓሰ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ ይኸውን
  • ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 24 ነሓሰ ውጽኢታት መረጻ ጣብያታት ይግለጽ
  • ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ 28 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ውጽኢት ፈላማይ ውጽኢታት ክልላት መረጻ ዕላዊ ይኽውን
  • ካብ 24 ነሓሰ ክሳብ 03 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ 10 መዓልቲታት በቲ ቦርድ መረጻ ዝተረጋገጹ ናይ መወዳእታ ውጽኢታት መረጻ ዕላዊ ዝግበረሉ እዋን ኮይኑ ከምዝኾኑ እቲ ሰሌዳ ይሕብር።

እቲ ሐዚ ወጺኡ ዘሎ ሰሌዳ ግዘ ናይ መወዳእታ ይኹን ወይ ምምሕያሽ ክግበሮ ዝኽእል ምዃኑ ግን ዝተገለጸ ነገር የለን።