ድሬስደን፡ 75 ዓመት ዘቑጸሩ ነትጒ ካልኣይ ኲናት ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"እቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ንምእማኑ ዘጸግም'ዩ . . . ፍርሒ ምዕባድ ሒዙኒ፤ ድሕሪኡ ከየቋረጽኩ ንርእሰይ ዝደጋግማ ሓንቲ ቃል ኣብ ኣእምሮይ ተሰቚራ ተሪፋ። ንሳ ጥራሕ'የ ዝደጋግም፤ 'ንክመውት ክቃጸል ኣይደልን' ይብል። . . .
. . . ካብቲ ሓዊ ሃዲመ ነብሰይ ከድሕን ኣብ ልዕሊ ክንደይ ሰባት ከም ዝወደቕኹ ኣይፈልጥን። ዝፈልጣ ሓንቲ ነገር ጥራሕ'ያ፤ ክቃጸል የብለይን . . ."።
እዋኑ፡ 13 ለካቲት 1945 እዩ። ሓይሊ ኣየር ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ ምብራቓዊት ከተማ ጀርመን ዝኾነት ድሬስደን መጥቃዕቲ ከፊቱ።
ኣብ ዝቕጽል መዓልታት፡ ሓይሊ ኣየር ብሪጣኒያን ኣሜሪካን ተላፊኖም፡ 4 ሽሕ ቶን ቦንባታት ኣብ ዝባን እታ ከተማ ደርብዮም።
ካብዚ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ክሃድሙ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ብጭንቕንቕን ሕጽረት ኦክስጅንን ተዓፈኑ።
ካብ ኣየር ኦክስጅን ዘናድዩ ዝነበሩ 25 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብቲ ደብዳብ ተቐቲሎም።
ከተማ ድሬድሰን ተመሳሳሊ ዕጫ ካልኦት ከተማታት እዩ በጺሑዋ።
ተላፊኖም መጥቃዕቲ ኣየር ዘብጽሑ ዝነበሩ ጉጅለታት፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኮሎኝ፣ ሃምቡርግን በርሊንን፣ ከተማታት ጃፓን ዝኾና ቶክዮ፣ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም።
ኣብታ ዝዓነወት ከተማ ጀርመንት ድሬድሰን ዝተፈጸመ ደብዳብ ግን፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጸመ ዘካትዕ ፍጻሜ'ዩ።

ድሬስደን፡ ርእሰከተማ ግዝኣት ሳክሶኒ'ያ።
ቅድሚ ብነትጒ ምዕናያ፡ ብዝነበራ ኩነታት ኣየርን ኪነ ህንጻን፡ ኣብ ውሽጢ 'ኢልቤ' ወይ ሳጥን ወርቂ እትርከብ ዕምበባ ተባሂላ ትፍለጥ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ለካቲት 1945፡ እዛ ከተማ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ናዚ ጀርመን ካብ ምዕቡላት ኣጽዋር ሕብረት ሶቭየት ዝፍነወሉ ዝነበረ መጥቃዕቲ ንምክልካል ካብ ዝዓረደሉ ምብራቓዊ ክፍሊ ጀርመን 250 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ ነይራ።
እታ ከተማ፤ ማእከል ኢንዳስትርን መጓዓዝያን'ያ ነይራ። እቶም ኢንዳስትሪታት ወተሃደራዊ ዕጥቂ፣ ኣቑሑት ነፋሪትን ካልኦትን ንናዚ የቕርቡ ነይሮም።
ወተሃደራት፣ ታንክታትን ከበድቲ ብረትን ድማ፡ በዛ ከተማ ኣቢሎም ብባቡርን ጽርጊያን ይጓዓዓዙን ይሓልፉን።
እቲ ውግእ ናብዛ ከተማ ክጽጋዕ ምስ ጀመረ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ጀርመን ክሃድሙ ጀሚሮም።
ኣብቲ እዋን፤ ሓይሊ ኣየር ብሪጣኒያ፡ ዓባይ ከተማ ጀርመን ብቦንባ ክትርዕድ'ያ በለ።
ኣዘዝቲ እቲ ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ድሬስደን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ቦንባ፡ ወተሃደራት ናዚ ካብ ምንቅስቓስ ብምእጋድ ንመሻርኽቶም ሕብረት ሶቭየት ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኣወጁ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ኲናት፡ ደብደብቲ ሓይሊ ኣየር ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ከተማታት ጀርመን ዝፍጽሙዎ ደብዳብ ብዓቐንን ሓይልን ወሲኹ።
እተን ነፈርቲ ተባራዕን ተቐጻጻልን ቦንባታት ተሰኪመን፤ እቲ ዝቀጻጸል ቦንባ ኣብ ልዕሊ ህንጻታት ጉድኣት ከብጽሕ፡ እቲ ዝባራዕ ቦንባ ድማ እቲ ዝተረፈ መሊኡ ክዓኒ ብምግባር ተወሳኺ ዕንወት ንምፍጣር ተጠቒመናሉ።
ቅድም ኢሎም ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ድማ፡ መላእ ከተማታት ጀርመን ኣብረሱ።
ሓምለ 1943፡ ኣማኢት ደብደብቲ ሓይሊ ኣየር ብሪጣኒያ፡ ኣብ ሃምቡርግ ዝፈጸሙዎ 'ኦፕሬሽን ጎሞራህ' ዝተብሃለ ልኡኽ ተዋሂቦም ነበረ።
እዚ መጥቃዕቲ፤ ልሙድ ዘይኮነ ደረቕን ውዑይን ኩነታት ኣየር ብምፍጣር፡ ከቢድ ሃልሓልታ ሓዊ ክለዓል ብምግባር ናይ ባዕሉ ካልእ ስርዓት ኩነታት ኣየር ፈጢሩ።
እዚ፡ ሰባት ዘተንፍሱዎ ኦክስጅን ዝመጥጥ ንፋስ ብምፍጣር ነበርቲ ሙሉእ ከተማ ዘጥፍእ ኩነታት ኣምጽአ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጥቃዕቲ ከተማ ድሬስደን፡ 13 ለካቲት 1945 'ዩ ጀሚሩ።
ብፓዝፋይንደር ዝተመርሓ 800 ዝጽግዓ ነፈርቲ ናብታ ከተማ ብምምራሕ፡ ኣብ ውሽጢ 25 ደቓይቕ ነፈርቲ ብሪጣኒያ፡ ልዕሊ 1800 ቶን ቦንባ ኣዝነባ።
ከምዚ ዓይነት ደብዳብ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ልሙድ ብምንባሩ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ'ውን ቀትሪ መዓልቲ ደብዳብ ቀጸላሉ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ድማ፤ ልዕሊ 520 ደብደብቲ ናብ ከተማ ድሬስደን ግዒዞም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታት፡ ኣብ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ወዲቖም።
ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ቐጻሊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ስለ ዝተመሓላለፈ፡ ብዙሓት ናብ መዕቆቢ ማእከላት ሃዲሞም።
እቲ ፈላማይ መጥቃዕቲ ኣየር ግን፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብምዕናዩ፡ ተሓቢእካ ነብስኻ ንምድሓን ኣጸጋሚ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ።
መሰኻኽር ዓይኒ እዚ ፍጻሜ ዝኾነት ማርጋሬት ፍሬየር ቆልዓ ሓቚፋ ንዝነበረት ኣደ ክትገልጻ ከላ፡ "ትሃድም'ሞ ትወድቕ፤ እቲ ኣብ ሕቑፍኣ ዝነበረ ህጻን ድማ ነጢሩ ናብቲ ሓዊ ይኣቱ . . . ነዚ ዝረኣየት ኣደ ኣብታ ዝወደቐትላ ተሰጢሓ ተሪፋ" ትብል።
ኩረት ቮንገት፡ እሱር ኮይኑ ብህይወት ዝተረፈ ውጻእ እዚ መዓት'ዩ።
"ከተማ ድሬስደን ዓብዪ ነበልባል ካብ ዝርኣያ ሓንቲ'ያ። እቲ ነዳድ፡ ክቃጸል ዝኽእሉ ኩሉ በሊዑ'ዩ" ክብል ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ "ብዘይካ መዓድን ካልእ ዘይብላ ወርሒ'ያ። እቶም ኣእማን ርሱናት'ዮም። ኩሉ ድማ ሙውት ኮይኑ'ዩ" ክብል ነታ ከተማ ገሊጹዋ።
ብሪጣኒያ፡ ኣብቲ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ደብደብቲ፣ ሃንደበት ሓድ ሕደን ብቦንባ ዝተሃራረማ ሰለስተ ነፈርትን እንክትስእን፡ ኣሜሪካ ሓንቲ ነፋሪት ዓንያታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናዚ ጀርመን፡ ነዘን ብልፍንቲ ዘጥቅዓ ዝነበራ ነፈርቲ ብሪጣንያን ኣሜሪካን መሊሱ ብቦንባ ከጥቅዕ ፈቲኑ'ዩ።
ሰበ ስልጣን እታ ከተማ 25 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ሞይቶም 'ዮም እንተበሉ 'ውን፤ ሓደ ፍሉጥ ተመራማሪ ታሪኽ ግን ናዚ ምስ ዝብሎ 200 ሽሕ ይሰማማዕ።
እታ ከተማ፡ ማእከል ቱሪዝም ምዃና'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ገለ ኣባላት ባይቶ ብሪጣኒያን ፍሉጣት ሰባትን፡ ኣገዳስነት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሕቶ የውድቑዎ።
ኣብቲ እዋን ኤፒ ኣብ ዝሓተሞ መግለጺ፡ ክልቲኤን ሃገራት ራዕዳዊ ደብዳብ ይፍጽማ ከም ዝነበራ'ዩ ዝጠቅስ።
ወተሃደራዊ ሓንጸጽቲ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ግን፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝተፈጸሙ ኢንዳስትሪ፣ ሰራሕተኛታት፣ ኣባይትን መጓዓዝያን ጀርመን ኣነጻጺሮም ዝተፈጸሙ መጥቃዕታት ስትራቴጂካዊ'ዩ ነይሩ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1953 ኣሜሪካ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ እቲ መጥቃዕቲ ቦንባ፡ 23 ሚኢታዊት ኢንዳስትሪያላዊ ህንጻታት 50 ሚኢታዊት መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮም ኢሉ ይድምድም።
ድሬስደን ግን፡ "ሕጋዊት ወተሃደራዊት ዒላማ" እያ ነይራ ዝብል እዚ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ድማ ካብቶም "ፖሊሲታት ነትጒ ቦንባ" ዝተፈለየ ኣይኮነን ኢሉ።
ድሕሪ 75 ዓመት'ውን፡ ደብዳብ ከተማ ድሬስደን ኣካታዒ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ።
ገሊኦም፡ ገበን ኲናት'ዩ ይብሉ። ገሊኦም ድማ ናዚ ጀርመን ንምስዓር ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ ነይሩ ኢሎም ይካትዑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







