ጅማ፡ ንውድብ ጃዋር ዝኸልከለ ምምሕዳር፤ ንኣብዪ ኣሕመድ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዑ

ትማሊ ለካቲት 3 2012 ዓ.ም [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ከተማታት ጅማን ኣጋሮን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኻየደ እንትኸውን፤ ፌዴራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ] ህዝብዊ መድረኽ ከየሳልጥ ተኸልኪሉ።

ኣብቲ ብኣሸሓት ከምዝተሳትፍሉ ዝግለጽ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ከምዝወጽአ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ ይዛረቡ።

እቲ ሰልፊ ዝተኻየደ ግን፡ ኦፌኮ ኣብዚ ተመሳሳሊ መዓልቲ ምስ ኣባላቱን ደገፍቱን ኮይኑ ምስ ህዝቢ ናይ ምፍላጥ መድረኽ ከምዝዳሉ ምስተሰምዐ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጅማ፡ ሰልፊ [ውድብ] ኦፌኮ አቶ ዑመር ጣሂር፡ ውድቦም ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ስታድዮም ከካይዶ ዝሓሰበ ናይ ሌላ ህዝባዊ መድረኽ ከየሳልጥ ከምዝተኸልከለ ተዛሪቡ።

እዚ ህዝባዊ መድረኽ ምስ ተኸልከለ ግን፡ ኣብ ከክንድኡ መናእሰይን ምምሕዳርን ከተማ ጅማ ብሓባር ንኣብዪ ኣሕመድ ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም።

ናይቲ ሰልፊ ኣተሓባባሪ፡ ሓላፊ ሊግ መናእሰይ ጅማ፡ ድማሙ ንጋቱ፡ " እቲ ለውጢ ክቕጽል ኣለዎ። ህዝቢ ኦሮሞ ክከፋፈል የብሉን። ኣብዪ ኾነ ካልኦት ሓለፍቲ ድማ ክጽረፉ የብሎምን፤ ክኽበሩ ኣለዎም" ክብል ኣብሪሁ።

እቲ ሰልፊ ንኽካየድ መበገሲ ዝኾነ፡ ኣብዚ እዋን ብፍላይ ብህዝቢ ኦሮሞ ዓብዪ ተቐባልነት ዘለዎን ኣባል ኦፌኮ ጃዋር መሓመድ፡ ኣብ ገለ ህዝባዊ መድረኻት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከነኣእስ ተራእዩ ብዝብል ከምዝኾ ድማሙ ይዛረብ።

ኣብቲ ሰልፊ ዘይተሳተፈ መንእሰይ ኣሕመድ ኣባ መጫ፡ ነቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ብምድጋፍ፡ መስዋእቲ ተኸፊሉሉ ዝበሎ ቃልሲ ናብ ሽትኡ ንክበጽሕ፡ ድሌት መናእሰይ ጅማ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።

"ጃዋር ኣብነትና እዩ" ዝበል መንእሰይ ኣሕመድ፡ ናብ ኦፌኮ ምስተሓወሰ ዝዛረቦ ዘሎ ብዝበሎ ሕጉስ ከምዘይኮነ ይዛረብ።

ኣብ ክሊ ፖሊሲን ሓሳብን መሰረት ዝገበረ ክትዕን ልዝብን 'ምበር ኢድ ምውጥዋጥ ኣየርብሓናን እዩ ዝብል።

እንተኾነ እቲ ኣብ ጅማ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ መንግስቲ ኣበል ከፊሉ ከምዘሰናደኦ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝረብ ውዒሉ።

ድማሙ ግን ነቲ ዝበሃል ኣይቕበሎን። "ኣይኮነንዶ ኣበል ክኸፍል፡ ካናቴራታትን ጭርሖን ንምሕታም'ኳ መንግስቲ ዘውጸአ ጥር ትብል ገንዘብ የላን" ይብል።

ህዝባዊ መድረኽ ኦፌኮ ንምንታይ ተኸልኪሉ?

ሓላፊ ጨንፈር ጅማ፤ ውድብ ኦፌኮ፡ ኣይተ ዑመር ጣሂር፡ ቅድሚ ሕዚ ምስቲ ምምሕዳር ተስማሚዖም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ይዛረብ።

ጃዋር ናብቲ ውድብ ምስ ተሓወሰ ግን፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ ውድቦም ዝነበሮ ኣረኣእያ ከምዝተቐየረ ይዛረብ።

"ጃዋር ምስ መጽአ ጽቡቕ ኣይኮኑን ዘለዉ። ልኡኽ ኦፌኮ ናብ ጅማ ክመጽእ ምስ ፈተነ ድማ ከም ጸላኢ ርእዮምዎ"።

ኣይተ ዑመር፡ ሓያል ጸቕጢ ከምዘጋጥሞም እዩ ዝዛረብ፡ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ናይ ምፍላጥ መድረኽ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር።

ከንቲባ ጅማ ኣይተ መኪዩ መሐመድ፡ ምስ ዝኾነ ውድባት ፖለቲካ ዝገብርዎ ርክብ ኣብ ሕጊ መሰረት ዝተመስረተ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጾም። ቦርድ መረጻ ጎስጓስ ክካየድ ገና ፍቓድ ከምዘይሃበ ብምሕባር፡ "ኦፌኮ ኣብ ካልኦት ዞባታት ከካይዶ ዝቐነየ ናይ ምፍላጥ መደባት ዘይኮነስ፡ ጎስጓስ እዩ" ዝብል ምላሽ ድማ ሂቦም።

ንኦፌኮ ከኣ በቲ ምኽንያት ፍቓድ ከምዝኸልከሉዎ ወሲኹ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ሌላ መደብ ጠቕሊሉ ከምዘይተኸልከለ ብምሕባር፡ እቲ ምምሕዳር ከይፈለጠን እኹል ናይ ጸጥታ ሓለዋ ስለዘይተገብረን ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝነበረ እውን ሐቢሩ።