እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ዓማዊል ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ገንዘቦም ከውጽኡ ኣይከኣሉን
ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፤ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ ጫናፍር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዝሓተትዎ መጠን ገንዘብ ኣብ ምውፃእ ገደብ ከምዝተገበረሎም፡ ዓማዊል ይዛረቡ።
ኣብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ሰሎዳ ዓዲኣቡን ስሞም ክፅርሑ ዘይደለዩ ውልቀሰባት ልዕሊ 2,000 ብር ከውፅኡ ከም ዘይኽእሉ ከም ዝተነገሮም ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣርባዕተ ጨናፍር ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣለዋ። ካብዚኤን ኣብ ጨንፈር ባንክ ንግዲ ገሊላ፣ ሰሎዳን መለስን ካብ 2 ክሳብ 5 ሽሕ ብር ይህቡ ኣለዉ።ጨንፈር ባንክ ንግዲ ዓድዋ እቲ ዝለዓለ 10 ሽሕ ብር ይፈቅድ ከምዘሎ ብስልኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብተመሳሳሊ ካልእ ተጠቃሚት ኣብ ከተማ ውቕሮ ክልተኣውላዕሎ ሎሚ ንጉሆ ልዕሊ 1,000 ብር ከይተውፅእ ከም ዝተኸልከለት ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።
ትማሊ'ውን ኣብታ ከተማ ልዕሊ 2 ሽሕ ክተውጽኡ ኣይትኽእሉን ተባሂሎም ዝተኸልከሉ ዓማዊል ኣብ ኣፍደገ ንግዲ ባንክታት ኢትዮጵያ ብበዝሒ ከንጸርጽሩ ከምዝተርአዩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣረዲኦም።
እዚ ኩነታት፡ ኣብ መብዛሕተአን ከተማታት ትግራይ ዝተርአየ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጠረሎም ወሲኾም ይዛረቡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን: እቲ ፀገም ኣብ ማሕበራዊ መራኸብቲ እውን ብሰፊሑ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኾይኑ ኣሎ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ: ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ገለ ባንክታት ተዘዋዊሩ እቲ ጸገም ዘስተውዓለ እንትኸውን፤ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ነቲ ዋኒን ካብ ዝመርሕዎ ሓደ ሓላፊ መብርሂ ሓቲቱ።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ እዚ ሓላፊ፡ ሕፅረት ቅርሺ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣብ ኩሎም ጨናፍር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ: ከምዝተርኣየ ኣረዲኡ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው: ዝተፈጥረ ሻቕሎት: ህዝቢ ገንዘቡ ካብ ባንክ ኣውፂኡ: ኣብ ገዛኡ የቐምጥ ከምዘሎ ድማ ይዛረብ።
እቲ ሕፅረት: ኣብ መላእ ሃገር ይረአ ምህላዉን ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጥራይ እውን እንተይኮነ ኣብቶም ውልቃዊ ባንክታት እውን ክረአ ዝኽእል ዘስግእ ፀገም ይኸውን ምህላዉን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣብ ትግራይ: ካብ ብሄራዊ ባንክ ፍቓድ ተዋሂቡወን ገንዘብ ዝዕድላ ኣርባዕተ ማእከላት ኣለዋ። እተን ማእከላት: ኣብ መቐለ፣ ማይጨው፣ ዓድዋን እንዳስላሰ ሽረን ይርከባ። ኣብዘን ማእከላት ሕፅረት ገንዘብ ስለዘጓንፈ ድማ: ናብተን ጨናፍር ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ነክዩ'ሎ- ይብል እቲ ሓላፊ።
ካብዚ ብምብጋስ: ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኣብ ቁጠባ ሕሳቦም: ዝርከብ ገንዘቦም ልዕሊ 2 ሽሕ፤ ኣብ ገለ ድማ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብር ከየውጽኡ ተኸልኪሎም።
ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ: ነቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን: ብፍላይ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዘጓንፈ ሕፅረት ገንዘብ ንምፍታሕ ይሰርሕ ከምዘሎን እቲ ፀገም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ከምዝቃለልን ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣልሰን ኣሰፋ ግን፤ ሕጽረት ገንዘብ ኣጋጢሙ ዝብል ኣይቅበሎን።
ንሱ፡" ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናይ ገንዘብ ሕጽረት የብሉን፡ ናይ ኔትወርክ ጸገም እንተዘይኮይኑ" ብምባል እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ገንዘብ ሕጽረትን ገደብን "ቤላ ቤሎ" ክብል ነጺግዎ።
"ካብ ክልተ ሽሕ ንላዕሊ ከይተውጽኡ ዝብል ሕጊ የለን" ዝብል ኣይተ ኣልሳን ኣሰፋ፡ ሓላፊ እቲ ንግዳዊ ባንኪ ዛጊድ ዝቐርበሉ ዘሎ ጸገም ምስ ቴሌ ዝተሓሓዝ ናይ ኔትወርክ ምቁርራጽ ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ካብ ዝኾነ ይኹን ጨንፈር ብዛዕባ ሕጽረት ገንዘብ ዝበጸሖ ሓበሬታ ከምዘየለን ምንጪ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጸገም እንታይ ከምዝኾነ ከምዘይፈልጥን፡ ኣይተ ኣልሳን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንኣብነት ኣብ ዓዲ ኣቡን ጨንፈር ኣጋጢሙ ዝተብሃለ ገደብ መጠን ዝወጽእ ገንዘብ ኣመልኪትና ኣብ ዝሓተትናዮ ሕቶ ድማ "እዚ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን፤ ናይ ንግደ ባንኪ ኣሰራርሓ'ውን ኣይኮነን" ኢሉ።
"ዝኾነ ሰብ ዘቐመጦ ገንዘብ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ጨንፈራት ባንኪ ንግዲ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎ። እዚ ድማ መሰሉ ናይ ምኽልካል ስልጣን 'ውን የብልናን። ብትኽክል እቲ ዝተብሃለ ጸገም ኣብ ትግራይ እንተሃልዩ፡ ትማሊ'ዶ ምስቶም ሓለፍቲ ናይ ትግራይ ኣይነበርናን? ከምኡ ዝብል ሓበሬታ ኣይተልዓለን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።