እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ትራምፕ ብዛዕባ ኖበል ሰላም ዘለዎ ቅሬታ ናብ ኦስሎ ከቕርብ ኣለዎ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ንምክያድ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ዘልዓሎ ሓደ ሓሳብ ንብዙሓት ከዘራርብ ቀንዩ'ሎ።
ንሱ፡ ብስማ ንዘይጠቐሳ ሓንቲ ሃገር ካብ ኲናት ከምዘድሓና ብምዝኽኻር፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ግን ንዕኡ ዘይኮነስ ንመራሒ እታ ሃገር ከምዝተወሃበ ተዛሪቡ ነይሩ።
ትራምፕ ዋላኳ ስም ናይቲ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደ መራሒ እንተዘይጠቐሰ፡ ዘረብኡ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምዃኑ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክጠቕሱ ቀኒዮም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝቐረበ ሓሳብ ርእይቱኡ ክህብ ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶ ዝስዕብ መልሲ ሂቡ።
"ሓቂ ዘረባ፡ እቲ ኮሚተ ኖቤል ነቲ ሽልማት ንምሃብ እንታይ መዐቀኒታት ከምዝወስድን፡ ውልቀ ሰባት ብኸመይ ከምዝመርጽን ዝፈልጦ ነገር የብለይን" ኢሉ።
"ስለዚ ፕረዚደንት ትራምፕ ቕረታ እንተዳኣ ሃልይዎ፡ ቅሬትኡ ናብ ኦስሎ እዩ ከቕርብ ዘለዎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ኣይኮነን። ኣነ ድማ ንሽልማት ኢለ ኣይኮንኩን ዝሰርሕ፡ ሰላም ነቲ ዞባ ኣድላዪ ስለዝኾነ እምበር።"
ኣብ ደቡባ ኣፍሪካ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝተዘራረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ፡ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።
ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ዘቕረቦ ሕቶ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምግላጽ ድማ እታ ሃገር ኣብ ኣተሓሕዛ እቶም ስደተኛታት ዓብዪ ምምሕያሽ ክትገብር ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ።