ኪምያ ኣሊዛዴህ፡ ፍልጥቲ ኢራናዊት ስፖርተኛ ንሃገራ ራሕሪሓ

እንኮ ኢራናዊት ጓልኣንስተይቲ ተዓዋቲት ሜዳልያ ኦሎምፒክ ኪምያ ኣሊዛዴህ፡ ንሃገራ ከምዝራሕረሐት ተዛሪባ።

እታ ጓል 21 ዓመት ፍልጥቲ ስፖርተኛ፡ ኣካል ናይቲ "ግብዝነት፣ ሓሶትን ናይ ሓሶት ውዳሰን" ክትከውን ስለዘይደለየት ንኢራን ገዲፋ ከምዝወጸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፋ።

ንርእሳ ድማ "ሓንቲ ካብተን ሚልዮናት ውጹዓት ኢራናውያን ደቂኣንስትዮ" ክትብል ገሊጻ።

ኣሊዛዴህ ኣበይ ከምዘላ ኣይገለጸትን። ጸብጻባት ግን፡ ኣብ ኔዘርላንድስ ትስልጥን ከምዝላ ይገልጹ።

ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ፡ ብቴክዋንዶ ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ብምዃን እያ ታሪክ ሰሪሓ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዝበለቶ፡ ሰብመዚ ኢራን ነቲ ናታ ዓወት ንፕሮፖጋንዳ ከምዝተጠቐምሉ ተዛሪባ።

ወጽዓ ብሰብመዚ

"ንሶም ተኸደኒ ዝበሉኒ ይኽደን፡ ንሶም ዝኣዘዙኒ ይገብር ነይረ። ንሶም ዝበልዋ ኩሉ ይደግማ። ንዓኣቶም፡ ንሕና ኣይነገድሶምን፡ ንዐኦም መሳርሒ ጥራይ ኢና" ኢላ።

ሰብመዚ ኢራን፡ ዋላኳ ምእንተ ፖለቲካ ነቲ ናታ ዓወት ዝድግፉ መሲሎም እንተቐረቡ፡ ንዓኣ ግን "ጓልኣነስተይቲ እግራ ክትከፍት ክብሪ የብሉን" ዝብል ርእይቶ ይህብዋ ከምዝነበሩ ገሊጻ።