ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር፡ ዓለምና ዝለወጠት ተቓላሲት

ብዝሕታለ-ኣእምሮ ዝሳቐዩ ሰባት ካብ'ቲ ንቡር ናብራ ሕብረተሰብ ተወጊኖም'ዮም ዚነብሩ ምስ እንብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ትዕዝብቲ ኣይኰነን። ወጽዓኦም ወጽዓና'ዩ፣ ወትሩ ብግሁድ እንርእዮ ጉድ ኸኣ'ዩ።

ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜረካ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ነቲ ፈላላዪ ዝንባሌታት ሕብረተሰብ ብመትከል ክምክቶ ጀመረ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብሕልፊ ኣብ ርኹባት ምዕራባውያን ሃገራት፡ እቲ ምንቅስቓስ ብብዙሕ ጻዕሪ ኣብ ዓወት ዳርጋ በጺሑ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ብ 'ፍሉይ ኦሊምፒክስ' ዝፍለጥ ናይ ስፖርት ውድድር ኣንጻር ኣእምሮኣዊ ዝሕታለ ዜበገሶ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መዛግብ ብምጥሓስ ዓበይቲ ዓወታት ክምዝግብ ጸኒሑ'ሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እዚ ሰላማዊ ኣብዮት'ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ህይወት-ሰባት እናለወጠ ብምምጽኡ ዓለምና ስንኩላን ኣብ ዝሓቝፈሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። እቲ ሓቛፊ ምንቅስቓስ ብሓንቲ ክምስ ዘይትብል ኣሜሪካዊት'ዩ ተጀሚሩ። ስማ ኸኣ ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ይበሃል።

ፍሉይ ኦሊምፒክስ

ብዛዕባ እቲ ብ 'ፍሉይ ኦሊምፒክስ' ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ዉድድር ስፖርት ከመይ ኢሉ ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ምብጻሑ ምስ እንሓስብ እቲ ሓሳብ ናብ ካምቦ-ሽራይቨር ይወስደና።

ፍሉይ ኦሊምፒክስ ክንብል ከሎና እቲ ኣብ ከክልተ ዓመት (ናይ ክረምትን ሓጋይን ውድድራት - Summer and Winter Special Olympics) - እናተበራረዩ ዝካየዱ መደባት ማለት'ዩ።

ፍሉይ ኦሎምፒክስ ካብ ፓራሊምፒክስ ይፍለ'ዩ፣ ግን ክልቲኦም ኣህጕራውያን ናይ ስፖርት ውድድራት'ዮም። እቲ ቀዳማይ ውድድር ናይ ዝሕታለ-ኣእምሮ ዘሎዎም ሰባት ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ኣካለ-ስንኩላን'ዩ።

ፍሉይ ኦሊምፕክስ ኣብቲ ብ "ካምቦ-ሽራይቨርን" ዝፍለጥ ቦታ - መሪላንድ (ሕ.መ.ኣ) - ብመጀመርታ ስሳታት ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ንስንኩላን ኣብ ንቡር ናብራ ንምምጻእ ተባሂሉ ዝተማህዘ ናይ ስፖርት ዉድድር'ዩ።

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኣደ ብጓላ ስለ ዘይቀሰነት ንዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ደዊላ ሽግራ ኣካፈለታ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መብዛሕትኡ እዋን ኣብያተ ትምህርትታት ንክረምቲ ምስ ተዓጽዉ እቶም ተምሃሮ ንክዘናግዑን ጊዜኦምን ብከንቱ ንከየባኽኑ ተባሂሉ ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርትን ትምህርትን መዛናግዕን ቦታታት ምልኣኽ ልሙድ'ዩ።

እታ ስልኪ ዝደወለት ሰብ ግን ጓላ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ስለ ዝነበራ ናበይ ከምእትሰዳ ስለ ዝጨነቓ'ያ ንሽራይቨር ዝተወከሰታ።

እቲ ጕዳይ ንዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ኣተሓሳሰባ። እቲ ንግሉላት ስንኩላን ኣብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ሕልማ ኣብቲ ህሞት'ቲ ኢዩ ዝተጠንሰ። እቶም ናይ ኣእምሮ ዝሕታለ ዘሎዎም ሰባት ካብ ሕብረተሰብ ተገሊሎምን ተኸዊሎምን ክነብሩ ክወሓጠላ ኣይከኣለን።

ብዓቢኡ ሓንቲ ብዝሕታለ-ኣእምሮ ትሳቐ ዝነበረት ሓብቲ ስለ ዝነበረታ ንወጽዓ ስንኩላን ብቀረባ ክትስዕቦን ክትመሃሮን ከኣለት።

ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም ተማሃሮ (special needs students) ክንብል ከሎና እቶም ብኵነታቶም ምኽንያት ኣብ ልሙድ ኣብያተ ትምህርቲ ንክምሃሩ ሽግር ዘለዎም ሰባት ኰይኖም፡ ኣብ ፍሉይ ወይከኣ ምስ ኵነታቶም ዝሳነ ሰለይ እናበሉ ትምህርቲ ዝቐስሙ ተምሃሮ ማለት'ዩ።

ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮም ሰባት እንትርፎ ብስድራኦም ብሕብረተሰብን መንግስትን ብቑዕ ቆላሕታን ክንክንን ይረኽቡ ኣይነበሩን።

ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ካብ ርኹባት ስድራቤት ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ድሕሪ ገዝኣ ኸኣ ርሑብ ቦታ ስለዝነበራ ብኵነታት ስንኩላን ተደሪኻ ኣብ ጊዜ ክረምቲ ንክዝናግዕሉ ሓደ ዓውዲ ከፈተት። እቲ መዛናግዒ ቦታ ኸኣ ብካምቦ-ሽራይቨር ይፍለጥ ነበረ።

ዩኒስ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዝነበሮም መንእሰያት ንኽትእክብ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርቲ እናኸደንት ከተናድዮም ጀመረት፣ ዝሕግዝዋ መናእሰይ'ውን ኣኽተተት። እምበኣርከስ እቲ ቅዱስ ዕላማ በቲ ኣገባብ'ቲ ኢዩ ዝጀመረ።

ኣብቲ ዩኒስ ዝጀመረቶ ምንቅስቓስ፡ ስድራ ናይ'ቶም ቈልዑ ንደቆም ከሰንይዎም ጀመሩ፣ ኣዝማድን ፈተውትን ናይ ሞራል ድጋፍ ንምሃብ ናብ ካምቦ ክውሕዙ ጀመሩ፣ ኣብያተ-ትምህርትታት ወከልቶም ክሰዱ ጀመሩ፣ ሓለፍቲ ማሕበረሰባት ፖለቲከኛታትን ተዓዲሞም ክሕወሱ ጀመሩ፣ ዝና ዘሎዎም ሰባት ነቲ ምንቅስቓስ ከም ዝከታተልዎ ተገብረ ... ከምኡ እናበለ ኸኣ ዓበየ፣ ዓለም ከኣ ንኵነታት ናይ'ቶም ተዋሲኖም ዝነብሩ ዝነበሩ ዜጋታት ቆላሕታ ክህቦ ከኣለ።

"ይኣክል!"

እዚ ዛንታ'ዚ ኣብ ቢቢሲ (ቋንቋ እንግሊዝ) ንፈለማ ጊዜ ብ 2 መጋቢት (2019) ኣብ ትሕቲ "ካብ ስድራ ከነዲ እታ ንዓለም ዝለወጠት ሰብ" ዚብል ኣርእስቲ ተዘርግሐ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብ ጽባሕ ልደት፡ ብ 26 ታሕሳስ 2019፡ ብድጋሜ ተዘርግሐ።

ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ንፕረዚደንት ከነዲ ንእሽቶ ሓብቱ'ያ (ካብ ትሽዓተ ኣሕዋት መበል ሓምሸይቲ)። ንሳ ምስ ሮዛሊን ዝተባህለት ሓብታ ጽኑዕ ምትእስሳር ነበራ - እታ ብዝሕታለ-ኣእምሮ ትሳቐ ዝነበረት ሓብታ ማለት'ዩ። እቲ ምስ ሓብታ ዝነበራ ምትእስሳር ድማ'ዩ ንንቕሓታ ክብ ከብሎ ዝኸኣለ።

ነቲ ዛንታ ብልቦና ምስ እንስዕቦ ድማ ሓደ ሰብ "ይኣክል!" ኢሉ ምስ ዝብገስ ኣብ ኣተሓሳስባ ወዲ-ሰብ ከመይ ኢሉ ሓደ ዓቢ ሓሳብ ከም ዝጥነስ፡ ስዒቡ ኸኣ እቲ ዝድለ ለውጢ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ከመይ ኢሉ ከምዝተኣታቶ ክንርዳእ ንኽእል።

እቲ ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ኣብ ድሕሪ ገዛ ዝጀመረቶ ዓውዲ ስፖርት ቀስ ኢሉ እናዓበየ ኣብዚ ሕጂ ብ 'ስፐሽያል ኦሊምፒክስ' ዝስመ ዓቢ ደረጃ ክበጽሕ ከኣለ።

እቲ ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ዝሰርሓቶ ቅያ'ቲ ንዉጹዓት መገዲ ከፈተ፡ ንኣኣ ኸኣ ጽቡቕ ስም ኣትረፈላ።

ኣብ ነቓዓት ሕብረተ-ሰብ ዝሰጥሙ ዜጋታት

ኣብ ዓለም ብዝሕታለ-ኣእሙሮ ዝሳቐዩ ሰባት ብዙሓት'ዮም። ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከም ዚብሎ፡ 15% ካብ ኣብ ዓለም ዝነብር ህዝቢ ብስንክልናን ብሓውሲ-ስንክልናን ይትንከፍ'ዩ። ካብዚኣቶም 2-4% ብጽኑዕ ስንክልና ስለ ዝሳቐዩ ኣብ ተግባራዊ ሸነኻት ስራሕ ክሳተፉ ይጽገሙ'ዮም። እቲ ጸብጻብ ከም ዜብርሆ፡ እቶም ዝበዝሑ ኣድላዪ ቆላሕታን ብቑዕ ክንክንን ምስ ዝረኽቡ ግን ኣብ ንቡርን ተግባራውን መዳያት ህይወት ክምለሱ ይኽእሉ'ዮም።

ኣብ ሕብረተሰብና ንሽግራት ስንኩላን ብዕቱብ ኣይንግጠሞም'ምበር ስቑቕ ናብራ ከም ዜሕልፉ ኣይጠፍኣናን'ዩ። እወ፡ ኵላህና ነቲ ጕዳይ ብቐረባ ስለ እንፈልጦ፡ ንሽግራቶም ብግቡእ ንክንገጥሞ ድማ እንታይ ዓይነት ሕብረተሰባዊ ምትዕርራይ ከም ዘድልዮ ብክልሰ-ሓሳብ ንፈልጦ ንኸውን፣ ግደ ሕብረተሰብ ይዅን መንግስቲ ግን ድሑር ምዃኑ ኣይጠፍኣናን'ዩ።

ርግጽ'ዩ፡ ንሓደ ናይ ኣእምሮ ወይከኣ ኣካላዊ ስንክልና ንዘሎዎ ሰብ ንምክንኻን ወጻኢ ይሓትት፣ ትምህርትን ብቑዕ ኣፍልጦን ምድላብ የድሊ፣ ሕያውነትን ሓልዮትን ጽቡቕ ድልየትን'ውን ኣብ ሕብረተ-ሰብና ክሰፍን የድሊ። ተወዝ ዘየብል ስንክልና ኣብ ሓደ ስድራቤት ምስ ዚኣቱ እቲ ሓላፍነት ኣባላት ናይቲ ስድራቤት ምሉእ-ብምሉእ ስለ ዝስከምዎ እቲ ተበጃውነት ክምስገን ዘሎዎ ዓቢ ጕዳይ'ዩ። ኰይኑ ግን እቶም ስድራቤት ነቲ ሓላፍነት በይኖም ክስከምዎ ወጽዓ'ዩ።

ብሓጺሩ፡ ጕዳይ ስንኩላትና ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ጻዕሪ ዜድልዮ ጕዳይ'ውን ስለ ዝዀነ፡ ቍንጥር ኣቢልና ንክንዛረበሉ'ምበር ደቂቑ ሓተታ ከነቕርብ ብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ከም ዜድሊ ንጊዜኡ ፈሊጥናዮ ምሕላፍ ይሓይሽ። ናይ ካልኦት ሕብረተሰባት ኣብነት ምጥቃስ ግን ንኣፍልጦና ክሕግዝ ይኽእል።

ንሕናን ሕሙማትናን ...

ኣብ ስሳታት፡ ኣብ ኣስመራ፡ ብ'ማኒኮሚዮ' ዝፍለጥ መዕቘብ ስንኩላነ-ኣእምሮ/ሆስፒታል ኣብ ጸጸራት ዝተባህለ ቦታ ነበረ። መብዝሕትኡ ህዝቢ ነቲ መዕቈቢ ሕሙማን 'እንዳ ጽሉላት' ኢሉ ይጽውዖ ነበረ። እቲ ድሓር ኣብ ሰንበል ገጹ ዝገዓዘ ሆስፒታል ንብዙሓት ናይ ርእሲ ሕሙማን የዕቍብን ብዶክተር ማንፍረዶንያ ዝበሃል ዉሩይ ኢጣልያዊ ሓኪም ከኣ ይምራሕን ነበረ። ይዅን'ምበር፡ 'ማኒኮምዮ' መዕቘብ ናይ'ቶም ኣዝዮም ብሕማም ኣእምሮ ዝተጠቕዑ ሰባት'ኳ ይንበር፡ እቲ መደበር ናይ ምፍዋስ ዓቕሙ ለጠቕ ኢሉ ቀንዲ ስርሑ ናብ መዕቈቢ ገጹ ዝዛዘወ ነበረ ክበሃል ይከኣል።

ነዚ ህዝቢ ብጭዋነቱ'ኳ ንግለጾ፡ ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ሕብረተ-ሰብ፡ ምናዳ ቈላዑ ነበርቲ ከተማ፡ ንሓደ ስንኩል-ኣእምሮ "ጽሉል" ዚብል መጸውዖ ሂቦም መስሓቕን መጻወትን ኢዮም ዝገብሩዎ ነይሮም። እዚ መውጽእ ኣፎም ምዃኑ ክሕባእ ዘይከኣልን ሓቂ'ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ቆላዑ ኣስመራ "ጸሃይቱ ጽልልቲ"፡ "ቀሺ ቆራይ"፡ "ዳዊት ጽሉል" ... እናበሉ፡ ደድሕሪ'ቶም ሕሙማን ብምጕያይ፡ እምኒ ብምድርባይ፡ ብምስዳብ የጨንቕዎምን የህልኹዎምን ነበሩ።

እቶም ናይቲ ዘበን ሰባት፡ ንኣደብ ዝጠሓሰ ሰብ "ኣብ እንዳ ጽሉላት ኪድ" ወይከኣ ዘረባ ንኸጠዓዕሙ "ኣብ ጸጸራት ተዓቘብ" እናበልሉ የሽካዕልሉ ከም ዝነበሩ ብዙሓት ይዝክርዎ'ዮም።

ብመሰረት ኣባላት ናይ ኣስመራ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ዜካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ብሕማም-ኣእምሮ ዝተጠቕዑ ሰባት ዘለዎም ርእይቶ ኣይግድን ምዃኑ ይሕብር። ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮ ዝንቡልን ድሕሩን ርእይቶታት ካብ ሃለዎም፡ እቲ ክንድቲ ናቶም ትምህርቲ ዘይብሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክሳብ ክንደይ ዘይምዕሩይ ኣቕዋም ከም ዘሎዎ ክንርዳእ ንኽእል።

ንሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ሰብ ኣብ ክንዲ ብለውሃትን ክንክንን ተረድኦን ምሓዝ፡ ከም ጽሉልን ዕቡድን ክንጥቅኖምን ከነዳልዎምን ከነዋስኖምን ንርከብ።

ናብ ዮኒስ ከነዲ ሽራይቨር ክንምለስ ...

ዩኒስ ከነዲ ሽራይቨር ዝመራሒቱ፡ እቲ 1962 ዝጀመረ ጐስጓስ እግሪ ተኸለ፣ ፍሉይ ኦሊምፒክስ ኣብ ሺካጎ ሕ.መ.ኣ. ብ 1968 ብዕሊ ጀመረ። ሽዑ ካብ ሕ.መ.ኣ.ን ካናዳን ዝመጹ 1,000 ዝዀኑ ስንኵላን ተወዳደርቲ ተሳተፍዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቶም ውድድራት፡ ናይ ክረምቲ ይዅን ሓጋይ፡ እናዓበዩ ኸዱ።

ንመጀመርታ ጊዜ እቲ ውድድር ካብ ሕ.መ.ኣ. ወጺኡ ኣብ ዳብሊን (ኣየርላንድ) ተኻየደ። ኣብቲ እዋንት'ቲ 7000 ተወዳደርቲ ካብ 150 ሃገራት ክሳተፍዎ ኸኣሉ።

ሕጂ ፍሉይ ኦሊምፒክስ ኣብ ከክልተ ዓመት'ዩ ዝዋደድ - ናይ ክረምትን ሓጋይን። እቶም መደባት 350 ሺሕ ወለንተኛታትን ኣሰልጠንትን፡ ከምኡ'ውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣትሌታት ዝሳተፍዎ ዓቢ መደብ'ዩ።

ዓሚ ፍሉይ ኦሊምፒክስ ኣብ ኣቡዳቢ ኢዩ ተኻዪዱ፡ እቲ ዚስዕብ ውድድር ከኣ ኣብ 2023 ኣብ ከተማ በርሊን ክካየድ'ዩ።

መዓስኰን'ዩ ኣብ ከባቢና ካምቦ-ሽራይቨር ዝተኣታቶ?