ቱርክን ሩስያን ኣብ ሊብያ ተኹሲ ክቋረጽ ጸዊዐን

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋንን ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ ሊብያ ዘሎ ጎንጺ መዕለቢ ምእንቲ ክረክብ፡ ተኹሲ ክቋረጽ ጸዊዖም።

ኣብቲ ብዙሓት ሃገራት ጣልቃ ኣትየናሉ ዘለዋ ጉዳይ ሊብያ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ተጻረርቲ ወገናት ክድግፉ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ እቲ ናይ ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ኢስታንቡል ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ምቁራጽ ቶኽሲ፡ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ሓቢሮም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሄይኮ ማስ፡ ሊብያ ምስ ናይ ሶርያ ናብ ዝመሳሰል ኲናት ሓድሕድ ተምርሕ ምህላዋ ድሕሪ ምጥንቃቑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቱርኪ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንምሕጋዝ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ኣዋፊራ ኣላ።

ሩስያ ነቲ ቀንዲ ተቐናቓኒ ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ዝኾነ ጀነራል ኻሊፋ ሃፍታር ዝተሓጋገዙ 2,500 ዕሱባት ኣብ ሊብያ ከም ዘለዋ ቱርኪ ትኸስስ። ሩስያ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ።

ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ እትርከብን ናብ ኤውሮጳ ዝጓዓዙ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ቀንዲ መሰጋገሪ ዝኾነት ሊብያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ዕቑር ነዳዲ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነታ ዕዙዝ እዩ።

ነቲ ተጻብኦታት ደው ንምባልን ነታ ሃገር ናብ ሓድነት ንምምጻእን ክካየድ ዝጸንሐ ፈተነታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

ብጀነራል ሃፍታር ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንወደባዊት ከተማ ሲርት ከም ዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ። ሲርት ዕደናታት ነዳዲ ሊብያ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ እያ እትርከብ።

ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝደገፍ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ኣብ መንጎ ሲርትን ሚስራታን ዘሎ ከባቢታት'ውን ጎንጽን ናይ ኣየር መጥቃዕትን ከም ዝነበረ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ካልእ ንዲፕሎማስያዊ ድፍኢት ምቁራጽ ቶኽሲ ዘመላኽት ከኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ንጀነራል ሃፍታር ኣብ ሮማ ረኺቡ ምዝርራቡ እዩ።

ሚስተር ኮንተ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ፈየዝ ኣል ስራጅ ክረኽቦ ውጥን ነይሩ። ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ ግና ቀዳማይ ሚኒስተር ፈየዝ ኣል ስራጅ ምስ ጀነራል ሃፍታር ክራኸብ ምዃኑ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ነቲ መገሻ ከም ዝሰረዞ ሓቢሩ።

ሚስተር ኣል ስራጅ ምስ ሚኒስተር ሄይኮ ማስን ሰብ መዚ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንምዝርራብ፡ ኣብ ብራሰልስ እዩ ነይሩ።

ሚኒስተር ማስ "ሊብያ ባይታ ናይ ውክልና ኲናት ክትኸውን ኣይንደልን. . . ሊብያ ካልኣይቲ ሶርያ ኣይትኸውንን ስለዚ ብቕልጡፍ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ክንኣትውን፡ ኣብ ምቁራጽ ቶኽስን ናይ ኣጽዋር እገዳን ስምምዕ ክብጻሕ ይግባእ" ኢሉ።

ሚስተር ስራጅ ደገፍ ናይ ቱርኪ፡ ቀጠርን ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብን ክህልዎ እንከሎ፡ ቀንዲ ተሓጋገዝቲ ጀነራል ሃፍታር ግብጹ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ሩስያን እየን።

ሓይልታት ጀነራል ሃፍታር ንርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣይተዓወተን።

መንበሩ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ቶብሩክ ዝገበረ ሓይሊ ጀነራል ሃፍታር ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉ 2011 ጀሚራ ሊብያ ኣብ ጎንጺ ተሸሚማ ትርከብ።