ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተሳተፉ ምሕረት ትገብር

ደቡብ ኮርያ፡ ብሃማኖታውን ውልቃውን ምኽንያትን ተመርኹሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ 1879 ደቂ ተባዕትዮ ምሕረት ከምትገብረሎም ኣመልኪታ።

እዚ ውሳነ ዝተወስደ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቤት-ፍርዲ እታ ሃገር "ናይ ሕልና ወይ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት" ተመርኩሶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ንጉዳዮም ኣፍልጦ ምስ ሃቦ እዩ።

ደቡብ ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምፍጣጥ ትርክብ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጽኑዕ ዝኾነ ሕጊ ትኽተል።

ኩሎም ብቑዓት ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ን23 ኣዋርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ወይ ን24 ኣዋርሕ ኣብ ሓይሊ ኣየር ከገልግሉ ዘስገድድ ጥቡቕ ሕጊ ኣለዋ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ውትህድርና ክሳተፉ ሕልናኦም ዘየፍቕደሎም ሰባት፡ ን18 ኣዋርሕ ይእሰሩ። መብዛሕቱ ግዜ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ኣጸጋሚ እዩ።

ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ሕልናኦም ዘየፍቅደሎም ሰባት ብዙሕ ጸጋማት ከምዘጓንፎምን፡ ድሕሪ ቤት-ማእሰርቲ ስራሕ ክረኽቡ ከምዘጸግሞም ይሕብሩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ ኢን፡ ኣብ 2017 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ ምሕረት ዝገብር ዘሎ።

ብመሰረት ምኒስተሪ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ምሕረት ተገይርሎም ከምዘሎን፡ ካልኦት 267 ሃገራዊ ምርጫ ዝጠሓሱን ምሕረት ተገይሮም ኣሎ።

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ከምዝበሓሮ፡ እቶም ገበኛታት ናብ ሕብረተ-ሰብ ተሓዊሶም ኣፍረይቲ ክኾኑ ከምዝሕግዞም ኣምልኪቱ።

ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዕርዲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዶብ ትውንን። ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ከም ቀንዲ ሃገራዊ ምክልኻል ናይታ ሃገር ከምዝኾነ እያ እትቖጽሮ።