ጋምቤላ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብናይ መንግስቲ መኪና ክዛወር ኣብ ቀይዲ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Fana Broadcasting Facebook
ኣብ ክልል ጋምቤላ ብናይ መንግስትን ውልቀሰባትን መኻይን ዝተጽዓነ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ፖሊስ ኮሚሽነር እቲ ክልል ኦፒያንግ ኦቻን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ነታ ናይ መንግስቲ መኪና ዘሽከረርክር ዝነበረ ናይቲ ክልል ኣፈ ጉባኤ ዘዋሪ መኪና ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ጸጥታ ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኦታዎ ኦኮት ሓቢሩ።
እቲ ዘዋሪ፡ መኪንኡ ንሓጻቢ ሂቡ ምስተንቀሳቐሰ፡ እቲ ሓጻቢ ካብ ፍቓድ እቲ ሹፌር ወጻኢ ሒዝዋ ከምዝኸደ ይዛረብ።
ኣይተ ኦታዎ ኦኮት ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ 12 ክላሽንኮቫትን ልዕሊ 12 ሽሕ ጥይትን እዩ።
ብኻሊእ ሸነኽ፤ እቲ ኣብ ቁጽጽር ዝወዓለ ናይ ውልቀሰብ መኪና፡ ወጋሕታ 12 ሰዓት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ እቲ ምክትል ሓላፊ ኣረዲኡ።
ዛጊድ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 13 ታሕሳስ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።
እቲ ኣጽዋር ውግእን ጠያይትን ኢታንግ ኣብ ዝተብሃለ ኬላ ከምዝተትሓዘ'ውን ኣይተ ኣታዎ ተዛሪቡ።
ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ሓዊሱ፤ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 59 ጠመንጃታት ከምዝተትሓዘ ካብ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ወግእ ካብ ደቡብ ሱዳን ከምዝኣትው እቲ ፖሊስ ኮሚሽነር ኣብሪሁ።
ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣባበ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጰያ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ውግእ ክዘዋወርን ገሊኡ ኣብ ቀይዲ እንትውዕልን ይረአ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







