ጀማል ካሾጊ፡ ስዑዲ ዓረብ ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰዑዲ ዓረብ ንጋዜጤኛ ጀማል ካሾጊ ቀቲሎም ዝበለቶም ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ከም ዝፈረደት ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ገሊጹ።
ጀማል ካሾጊ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝነቕፍ ዝነበረ ውሩይ ጋዜጠኛ ኮይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ናይ ስዑዲ ጉዳዩ ከሳልጥ ኢሉ ምስ ከደ እዩ ብኣካላት ጸጥታ ስዑድያ ተቐቲሉ።
ኣኽባሪ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅጥለት 'ሕንጊድ ስርሒት' ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካልኦት ምስዚ ቅትለት ምትእስሳር ዘለዎም 11 ሰባት እውን መስርሕ ፍርዲ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ጀማል ካሾጊ ዝተፈጸመ ቅትለት 'ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ቅትለት' ክብል ኮኑንዎ ነይሩ እዩ።
ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣንገስ ካላማርድ፡ ኣቃትላ ጀማል ካሾጊ ግቡእ መርመራን ምጽራይን ክግበረሉ፡ ናብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ተደጋጋሚ ጥርዓንን ምሕጽንታን ከተቕርብ ጸኒሓ'ያ።
ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝኮነ ዓይነት ምትእትታው ክነጽግ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ከም መራሒ ሰዑድ ዓረብ ናይቲ ጉዳይ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝስከም ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







