ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሪጣንያ ብ31 ጥሪ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ'ያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ ምርጫ ብገፊሕ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል፡ ብሪጣንያ ብ31 ጥሪ 2020 ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእ ምዃና ኣፍሊጡ።

"ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም'የ። ሰኑይ ድማ ሓዱሽ ፓርላማ ንምቛም ኣባላት ፓርላማ ናብ ዌስትሚኒስተር [ህንጻ ፓርላማ] ክመጹ'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።

ጆንሰን፡ ነቶም ብገፊሕ ክስዕር ዝደገፍዎ ኣድመጽቲ ብምንኣድ፡ ነቶም ኣንጻሩ ዘድመጹ ድማ "ንሃገራት ኣውሮጳ ዘለኩም ምውቕ ስምዒት ዕሽሽ ኣይክንብሎን ኢና" ብምባል፡ ምስተን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ክምስርት ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ነቲ ብረክዚት ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምፍልላይ ዘስዓቦ"ቁስሊ ክፍወስ ንሕደጎ" ድሕሪ ምባል፡ ኣቶኩሮ እታ ሃገር ናብ ምሕያል ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ካልኦት ቀዳምነታትን ድሌታትን ኣድመጽቲ ክኸውን ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ፤ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ [ሌበር ፓርቲ] ጀርሚ ኮርቦይን ነቲ ውጽኢት ምርጫ "ብጣዕሚ ዘጕሂ" ክብል ገሊጽዎ። ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ከም መራሒ ሰልፊ ኮይኑ ከምዘይሳተፍ እውን ገሊጹ።

ሓላፊት ሰልፊ ሊበራል ደሞክራቲክ ጆ ስዊንሰን'ውን እቲ ሒዛቶ ዝነበረት መንበር ብሃገራዊ ሰልፊ ስኮትሽ ከምዝተመንጠለ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ብሪጣንያ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ 364 መናብር ረኺቡ፤ ካብ ናይ 2017 ብ 45 መናብር ጸብለልታ ኣርእዩ።

ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ 203 መናብር፤ ሃገራዊ ሰልፊ ስኮትላንድ 48 መናብር፤ ሊበራል ዲሞክራቲክ 11 መናብር፤ ሰልፊ ብረግዚት ግን ዛጊት ድምጺ ኣይረኸበን።

ሰልፊ ዕዮ ካብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ምርጫ ብ65 መናብር ነክዩ'ሎ። ዓቃባዊ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፤ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን ብዛዕባ እቲ ውጽኢት ምርጫ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ንዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከውጽእ ሓያል መዝነት ከምዝተዋህቦ ተዛሪቡ።

ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ዕዮ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ገዚፍ ስዕረት፡ ድሮ ዕግርግር ተፈጢሩ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሶን፡ ለይትን መዓልትን ብምስራሕ ህዝቢ ንዘሕደረሉ እምነት ከምዝትግብር ገሊጹ። ናብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ተመሊሱ ከኣ ንኡስ ምቅይያር ሚኒስተራት ከምዝገብር እቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ።

እዚ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ ተኻይዱ።