ጉዳይ መጥቃዕቲ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ንካልእ መዓልቲ ተሰጋጊሩ

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምንጪ ስእሊ, Asena TV

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ናይ እንቋቁሖን ጸባን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ነይሩ

ሎሚ ኣብ ተምስ ማጂስትረይትስ ኮርት (Thames Magistrates' Court) ዝተራእየ ጉዳይ፡ ኣዳላዊ ተሌቭዥን ኣሰና ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ናብ ካልእ ማጂስትረይትስ ኮርት ተሰጋጊሩ።

ኣብቲ ሎሚ ዝነበረ ሓጺር መጋባእያ፡ ክሱስ ኣቶ ያቆብ ገብረመድህን ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ተኣሚኑ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣቶ ያቆብ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል፡ ናይ እንቋቁሖን ጸባን መጥቃዕቲ ብምግባሩ እዩ ተኸሲሱ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ'ዩ። ኣቶ ያቆብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንካልኣይ ጊዚኡ ዝፍጽም ዘሎ።

ጠበቓ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ከም ዝነበሩን፡ ብጉጅለ ዝተገብረ ምዃኑን ብምኽሳሱ፡ ዳኛ'ቲ ቤት ፍርዲ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊኡ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክረአ ወሲኑ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ መጥቃዕቲ ፖለቲካዊ ተልእኾ ከም ዝነበሮን፡ እቲ ውልቀሰብ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተላእከን ዝገልጽ ጠበቓ ኣማኑኤል ኢያሱ ዘቕረቦ፡ ክሲ፡ ዳኛ ኣይተቐበሎን።

እቲ ጉዳይ፡ ንዕለት 18 ለካቲት ናይቲ ዝመጽእ ዓመት ክረአ'ዩ።

ብዛዕባ'ቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ጥርጡራት ውልቀሰባት፡ ካብቲ ቦታ መጥቃዕቲ ተንቀሳቓሲን ደረቕን ስእልታት ሒዞም ክቐርቡ'ውን ተሓቲቶም ኣለዉ።

ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝኾኑ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን፡ ንክልቲኦም ወገናት ንምድጋፍ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም፡ ንሓድሕዶም ክዘላለፉ ተሰሚዖም። ኣብ መንጎኦም ግን ዝኾነ ጎነጽ ኣይነበረን።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበርን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝነቅፍ ጽሑፋት ብምውጻእ ዝፍለጥን፡ ማርቲን ፕላውት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ውልቀሰብ በቲ መጥቃዕቲ ገበነኛ ምዃኑ ድሕሪ ምእማኑ፡ 700 ፓውንድ ተቐጺዑን፡ ንጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ከይረኽቦ ተኣዚዙን ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ደጋፊ መንግስቲ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ ያቆብ፡ ካብ ኤርትራ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣለኒ ብምባል ነቶም ጋዜጠኛታት ብስቱር ክረኽብዎ ብምሕታት'ዩ ኣብ ልዕሊኦም ብቓጻ መጥቃዕቲ ዘካይድ።