እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ኮይና
ኤርትራ መበል 24 ኣባል ፋይናንሳዊ ኰርፕረሽን ኣፍሪቃ ምስ 23 ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ተጸንቢራ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ6 ሓዳር 2019፡ ኤርትራ ኣባል እቲ ፋይናንሲያዊ ትካል ንኽትከውን ከምዝፈረመ ፋይናንሳዊ ኰርፕረሽን ኣፍሪቃ ኣረዲኡ።
እታ ሃገር ኣብ ማዕድናዊ ጽላት ብዝገበረቶ ወፍሪ፡ ርጉእ ቁጠባዊ ዕብየት ተርኢ ከምዘላ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ 2019-2024 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ኤርትራ (GDP) ካብ 4 - 5% ክዓቢ ትጽቢት ከምዝግበረሉ እቲ ትካል ኣረዲኡ።
እታ ሃገር ኣብ ምዕቃብ ማይን ጸዓትን ምምዕባል ሕርሻን ኢንዱስትርን ብሓፈሽኡ ኣብ ትሕቲ-ቅርጺ ብእትገብሮ ዘላ ወፍሪ፡ ንቁጠባዊ ዕብየት ተራ ከምዘለዎ ይሕብር።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ (AFC) ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ኮለሊ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ወፍሪ ከም ዝገበረ ኩባንያ ዳናኪል ብሰሉስ ኣፍሊጡ።
ኩባንያ ደናኪል፡ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብምሽራኽ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮለሊ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ዝቀራረብ ዘሎ ትካል እዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ደናኪል፡ ኒልስ ቫግ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምህናጽ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ከምዝድልዮምን እቲ ሓዲሽ ወፍሪ ከኣ ኣብቲ ዕማም ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህለዎ ገሊጹ።
እቲ ትካል ቅድም'ዚ እውን 200 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ወሲዱ ከምዝነበረን፡ እዚ ሕጂ ካብ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ዘሎ ናይ 50 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ኣብ ፕሮጀክት ኮሉሊ ኣውፊሩ ምህላው ኣካያዲ እቲ ስራሕ ኒልስ ዊግ ይሕብር።
እዚ ተወሳኺ ወፍሪ ነቲ ምስ ዩሮኬም (EuroChem Group) ዝተበጽሐ ን10 ዓመታት ዝኸይድ ናይ ፍርያት መሸጣ ስምምዕ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምምዕባልን ንምህናጽን ኣዝዩ ጽቡቕ ባይታ ተነጺፉ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ።
ኩባንያ ዳናኪል፡ ኣብ ዕዳጋታት 'ስቶክ ኤክስቼንጅ' ለንደንን ኣውስትራልያን ከምዝተመዝገበን ብተዛማዲ ርጉእ ዋጋ (ክብሪ) ከም ዘለዎ ኒልስ ይገልጽ።
ኤርትራውያን፡ ኣብ ዕድጊ ብርክታት ዳናኪል ይሳተፉ ከምዘለውን ንብሕጂ ክጽምበሩ ዝደልዩ ከኣ እቲ ትካል ሓንጎፋይ ኢሉ ከምዝቕበሎም፡ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ብዝነጥፋ ባንክታት ኣቢሎም ብርኪ ኪገዝኡ ከምዝኽእሉ ኒልስ ዊግ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ኮለሊ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ገማግም ባሕሪ 87 ኪ.ሜ ናብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያ ዝተደኮነ ስፍራ ኮይኑ፡ ን200 ዓመት ክዕደን ዝኽእል ኩምራ ፖታሽ ከም ዘለዎ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርኢ።
ኒልስ ዌግ ብዛዕባ እቲ ዕደና ዝካየደሉ ኣከባቢ ኣመልኪቱ፡ እቲ ኩምራ ፖታሽ ኣብ ኤርትራ ኣብ 16 ሜትር ዕምቆት ክርከብ እንከሎ ናብ ሸነኽ ኢትዮጵያ ምስ እትቐርብ ግን እቲ ዕምቆት ከምዝውስኽ ሓቢሩ።
እዚ ኩምራ ፖታሽ ቅድሚ 5 ሚልዮን ዓመታት ብዝነቐጸ ባሕሪ ዝተፈጥረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀጸላታት፡ ጨው፡ ሳልፌትን ፖታሽን ስለ ዘለዎ ተጠላቢ ዱኹዒ ንምፍራይ ዘገልግል እዩ።
ኤርትራ ኣባል ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪቃ ምዃና፡ መንግስቲ ንወፍሪ እቲ ኮርፖሬሽን ዘለዎ ደገፍ ዘርኢ ምዃኑ ከኣ ኩባንያ ዳናኪል ይገልጽ።