ኣብ ህንዲ፡ ኣዋልድ ከም ኣቕሓ መሸጣ ክርኣያ የብለንን እትብል መጽሓፍ ኮሚክ ተዘርጊሓ

ኣብ ነብሪ ዝተወጠሓት ጓል

ምንጪ ስእሊ, PRIYASHAKTI

ኣብ ዝተፈለላየ ኩርናዕ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብተን ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ግህሰት ብዙሕ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ እውን ኣብተን ዝማዕበላ ዝበሃላ ሃገራት፡ ደቀንስትዮ ካብቲ ዝነብራሉ ቦታ ብዘይፍታወን ተገዲደን ናብቲ ናይ ወሲብ ስርሓት ዝካየደሉ ቦታ በሰጋገርቲ ይውሰዳ።

እዚ ብቐጥታ ምስ ወሲብን ዓመጽን ዝተኣሳሰር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበን እዩ።

እዚ ቕንያት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝፍጽም ኩሉ ዓይነት በደላትን ጾታዊ ግህሰትን ደው ክብል ኣለዎ ብዝብል መንፈስ፡ ናይ 16 መዓልታት ጎስጓስ ኣሚሙ'ዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም እቲ ዓመጽ እቲ ንከብቅዕ ዝሕግዝ ጎስጓሳት ይካየድ ኣሎ።

እዚ ናይ ጎስጓስ ወፍሪ ከኣ ደቂ ሰባት ነቲ ኣንጻር ደቀንስትዮ ዝግበር እከይ ስርሓት ንክፍንፍንዎ ኣብ ህንዲ 'ፒራይንን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድን' እትብል ሓዳስ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ብሰኑይ፡ 25 ሕዳር፡ ናብ ህዝቢ ቀሪባ።

እታ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ጉዳያት እትጉስጉስ ኣብ ህንዲ እትሕተም ናይ ኮሚክ መጽሓፍ እያ።

እዛ መጽሓፍ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማ ኣንጻር ጾታዊ ግህሰትን መጥቃዕቲ ኣሲድን ትጉስጉስ ዝነበረት ፒራያ ሻክቲ፡ ሕጂ ድማ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ንምንዝርና ንኽጥቀሙለን ብዘይሕጊ ንዝግበር ምስግጋር ኣትኪላ ትቃለስ ተዋሳኢት ኢያ።

እታ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንዝግበር ምግሃስን መጥቃዕትን እትቃለስ "ጅግና ጓልስንተይቲ" እትዋስኣሉ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ኣብ ታሕሳስ 2014፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መንእሰይ ጓልንስተይቲ ብጉጅለ ዝተፈጸመ ኣዝዩ ዘርዕድ ምግሃስ ብምቕራብ ህዝቢ ነቲ ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንከቓልበሉ ኢያ እታ መጽሓፍ ተሓቲማ።

ኣብታ ቀዳመይቲ ሕታም፡ እታ ኣብ ነብሪ ተወጢሓ እትጋልብ ጅግና፡ ነቲ ኣብ ጉዳይ ምግሃስ ደቀንስትዮ ዘጓንፍ ምንዋር ትብድህ።

'ፒራያ ሚረር' ኣብ ትብል ካልአይቲ ሕታም ድማ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር መጥቃዕቲ ኣሲድ ኣተካይዶ ቃልሲ ተመልክት።

ፒራይንን ኮሚክ

ምንጪ ስእሊ, PRIYASHAKTI

'ፒራይንን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድን' ኣብ ትብል ሕታም ድማ ኣንጻር እቲ እኩይ ጋኒን፡ ራሁ ንወሲባዊ ስርሓት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ደቀንስትዮ ዘዘዋውርን ኣብቲ ብሕቡእ ዘቖሞ እንዳ ኣመንዝራታት ዝሓየረን ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ እንኮላይ ሓፍቲ ፒራያ፡ ላክሺም ዝርከብአ ኢያ ትቃለስ።

እታ ህንዲ ዝመበቆላ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢትን ደራሲታን ዲፕቲ ሜታ፡ ነዛ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ ኣብ ዝደረሰትሉ እዋን ኣብ ናይ ህንዲ ናይ ጥንቲ ጽውጽዋይ ብምምርኳስ ኣገዳሲ ባህሪ ብምምስራት ሓያል ንመሰል ደቀንስትዮ ናይ ዝጣበቕ መግለጺ ኢያ ተመሓላልፍ።

ኣብታ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ እተዘንቱ ታሪኽ፡ ከም ቀንዲ ተጣባቒት መሰል ደቀንስትዮ ኮይና እትዋሳእ ጓል፡ ናብ ገዝኣ ምስተመልሰት ኣብታ እትነብረላ ቁሸት ዋላ ሓንቲ ጓል ኣይጸንሓኣን።

ብድሕር'ዚ ኣብቲ ዝነፍር ሳሃስ ዝብሃል ነብራ ብምውጣሕ ድማ ኣብቲ ናይ ራሁ መሕብኢ ቦታ ትበጽሕ።እታ ራሁ ዝነብረላ ከተማ በቶም ስሱዓትን ቀነኣትን ብህርፋነ-ዝሙት ዝዓወሩ ሰባት ኢያ ትምሓደር ነይራ።

ኣብዛ ከተማ፡ ደቀ ንስትዮ ድልየታት ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ንምርዋይን ንምሕጓስን ኢየን ዝነብራ ነይረን።እተን ነዚ ዝቃወማ ድማ ናብ እምኒ ይቕይርወን ።ፒራያ ነዚ ተግባራት`ዚ ትቃወም ስለዝነበረት ድማ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ወሪድዋ ኢዩ። ሓንቲ ንራሁ እተገልግል ጓልንስተይቲ ድማ ፒራያ ኣብቲ ናይ ወሲብ ንግዲ ክትጽንበር ክትሓባብላ ፈቲና ነይራ።

"እንተድኣ ምሳና ሰሪሕኪ፡ ምስ ዕስራ ሰባት ዘይኮነ ምስ ሓሙሽተ ወይ ድማ ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ ኢኺ ወሲብ ትፍጽሚ" ኢላታ።

እንተኾነ፡ ፒራያ ነቲ ብራሁ ዝምራሕ እከይ ጉጅለ ብምስዓር፡ ንሓብታን ነተን ኣብቲ እንዳ ኣመንዝራታት ተሓዪረን ዝነበራ ኣዋልድን ነጻ ተውጽአን።

ፒራይንን ኮሚክ

ምንጪ ስእሊ, PRIYASHAKTI

ዋላ`ኳ ነተን ኣዋልድ ሓራ ተውጽኣየን ድኣ`ምበር፡ ወለዲ ናይተን ሓራ ዝወጻ ኣዋልድ ግና ነተን ኣዋልድ ምቕባል ይኣብዩወን። እተን ካብቲ ኣደራዕን ግፍዕታትን ዝሰረራ ኣዋልድ የናውርወንን የስተናዕቑወንን የልግጹለንን ነይሮም።

ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ከም ድዉያት ኢዮም ዝርእይወን ነይሮም።

እንተኾነ ፒራያን "እተን ዝተረፋ ኣዋልድን ብሓባር ኣንጻር እቲ ኣባታዊ ምሕደራ ይምክታ ነይረን" ኢላ። ብድሕር'ዚ ደቀንስትዮ ነቲ ዝወርደን ዝነበረ ጾታዎ መጥቃዕትን ዓመጽን ብዓውታ ክብድህኦ ጀሚረን።

እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ሆሊዉድ ዝጀመረ ጎስጓስ ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ዳርጋ ናብ ኩሉ ክፍልታት ናይዛ ዓለም ተዘርጊሑ።

''እቲ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ ናይ ኮሚክ መጽሓፍ፡ እቶም ጥዑያት ሰባት ከምዝዕወቱን እቶም እከያት ድማ ከምዝሞቱን ካብ መጀመርትኡ ንዓይ ንጹር ነይሩ'' ኢላ ድፕቲ ሜታ።

እቲ ነታ ናይ ኮሚክ ታሪኽ ዝመሃዘ ህንዳዊ መበቆል ዘለዎ ኣሜሪካዊ፡ ራም ዴቪነኒ፡ ድሕሪ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ከተማ ኮልካታ፡ ኣብ ዞና ሶንጋቺ እቲ ዝዓበየ ኣመንዝራታት ዝርከባሉ ከባቢ [ሬድ ላይት] ምስ ብዙሓት ኣብ ናይ ወሲብ ስርሓት ዝተዋፈራ ደቀንስትዮ ድሕሪ ምርኻቡ ኢዩ እቲ ዛንታ ናይዛ ሓዳስ ሕታም ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብ ከተኩር ከምዘለዎ ዝወሰነ።

''ፍርቂ ናይተን ዝረኸብኩወን ደቀንስትዮ ናብቲ ቦታ ንኽመጽኣ ሰባት ከምዘታለልወን ሓቢረናኒ። ብድሕሪኡ ድማ ብኣስገዳድ ኣብቲ ናይ ወሲብ ንግዲ ኣቲና ክብላ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ፍርቂ ድማ ብድኽነት ዝቖርፈድናን ካልእ ኣማራጺ ስለዝሰኣናን ኢና ብወለንታና ናብቲ ናይ ወሲብ ስራሕ ዝተጸንበርና ኢለናኒ'' ኢሉ ራማ ዴቪነኒ።

''መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ወይ ሰለስተ ደቀንስትዮ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ማዕቡጥ ክፍሊ እየን ብሓባር ዝነብራ። መብዛሕትአን ድማ ምስኣን ዝነብሩ ንኣሽቱ ቆልዑ ነይሮምወን።

ገሊኤን ከምዝሓበራኒ፡ ምስቶም ዓማዊል ወሲብ ኣብ ዝፍጽማሉ እዋን እቶም ደቀን ምስኣን ኣብ ሓንቲ ዓራት ከምዝድቅሱ ሓቢረናኒ'' ኢሉ ራማ ዴቪነኒ።

ፒራይንን ኮሚክ

ምንጪ ስእሊ, PRIYASHAKTI

''እዚ ብሓቂ ልቢ ዝሰብር ፍጻመ ኢዩ።''

ራማ ዴቪነኒ፡ ምስተን ደቀንስትዮ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዙሓት ካብቲ ቦታ ክወጻ'ኳ እንተሓሰባ፡ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብለን ግና ኣብኡ ክጸንሓ ይመርጻ።

ብዙሓት እቲ ዝገብርኦ ደቀንን ስድራቤትን ንምንባይ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ከምዝኾነ ይገልጻ። እቲ ብሓይሊ ዓትዒቱ ዝሓዘን መቑሕ ድማ ብዝያዳ ስነ ኣእምሮኣዊ ኢዩ።

ራማ ከምዝበሎ መብዛሕትኡ ናይዘን ደቀንስትዮ ታሪኽ ኣብታ ናብ ህዝቢ እትቐርብ ዘላ ናይተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ እትብል መጽሓፍ ተወሲኹ ኢዩ። እታ መጽሓፍ ምስቲ ሕቡራት ሃገራት ን16 መዓልታት ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ጎስጓስ ንምክያድ ዝጀመረላ መዓልቲ ንኽትሳነ ተባሂሉ'ዩ ብሰኑይ፡ 25 ሕዳር፡ ናብ ህዝቢ ከምእትቐርብ ዝተገብረ።

ከምቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ድሮጋን ወንጀልን ዝበሎ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ድሕሪ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተወደበ ንግዲ ኢዩ። ዋላ ካብ ናይ ዕጸ ፋርስ (ድሮጋ) ንግዲ ይዓቢ።

''ቢልዮናት ዶላር ዘውጽእ ንግዲ ኢዩ'' ኢላ እታ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እትነጥፍ፡ ሩቺራ ጉፕታ ብቴሌፎን ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ነጊራቶም።

ሩቺራ ጉፕታ፡ ነተን ኣብ ህንዲ ዝርከባ ንወሲብ ክጥቀሙለን ክብሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ቦትአን ናብ ካልእ ቦታ ዝወስድወን ኣዋልድን ደቀንስትዮን ኢያ በታ ዘይመንግስታዊ ኣፕኔ ኣፕ ዉመን ዎርልድ ዋይድ ትብል ውድባ እትሕግዘን።

ኣብ ዓለም ኣስታት 100 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ክኾኑ ከለው፡ ካብዚኦም ዳርጋ 27 ሚልዮን ኣብ ህንዲ ይርከቡ።፡ እተን ዝበዝሓ ድማ ኣዋልድን ደቀንስትዮን ኢየን ኢላ ጉፕታ።

ህንዲ፡ ባንግላዴሽን ኔፓልን ዳርጋ ''ሕመረት'' ናይቲ ዓለም ዝካየድ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብ እየን።

ፒራይንን ኮሚክ

ምንጪ ስእሊ, PRIYASHAKTI

እታ ኣብ ምሕታም ፕሪያን እተን ዝጠፍኣ ኣዋልድ ዝተሓባበረት ሩቺራ ጉፕታ፡ ነተን መጽሓፍቲ ናብተን ኣብ ህንድን ኣሜሪካን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን ብምውሳድ ብዛዕባ በስገዳድ ምግሳስን ምዕማጽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቀንስትዮ ንወሲብን ኣብ እተካይዶ ኣስተምህሮ ከም መበገሲ ክትጥቀመለን መደባት ከምዘለዋ ገሊጻ።

ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ንምባል እቲ እንኮ ኣማራጺ ምንዝርና ከምቅቡል ስራሕ ምውሳድን፡ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ድማ ብቺኔማን ስእልን ባህላዊ ስነ ጥበብን ምጉስጓስ ኢዩ ኢላ ሩቺራ ጉፕታ።

እቲ ናይ ኮሚክ መጽሓፍቲ መንእሰያት ንምብርባር ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ። ናብ ህዝቢ ብወግዒ ድሕሪ ምቕራቡ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ብነጻ ኣብ ኮምፒዩተራት ክጽዓን ይኽእል። በዚ ድማ ሰባት ብዛዕባ'ቲ ክውንነት ዋላ በተን ምዕቡላት ናይ ኢድ ቴሌፎናቶም ክርድኡ ይኽእሉ።

''መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰባት፡ ምንዝርና ኣብ ዓለም ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ስራሕ ኢዩ ይብሉ። እንተኾነ፡ እዞም ሰባት ዘይርድእዎ ነገር እንተሎ፡ እተን ንወሲብ ተባሂሉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ቦትአን ናብ ካልእ ዝተወስዳ ኣዋልድን ደቀ ንስትዮን ድሕሪ ወሲብ ምፍጻመን ዝኾነ ገንዘብ ኣይረኽባን እየን። እዚ እቲ ዝኸፍአ ምዝመዛ ናይተን ናብዚ ስራሕ ዝተቓልዓ ኣዋልድ ኢዩ'' ኢላ ሩቺራ ጉፕታ።

እዚ ነተን ኣዋልድ ከም ኣቕሓ መሸጣ ምርኣይ ደው ንምባል ድማ ሰባት ኣብ ሓንጎሎም ንንግዲ ወሲብ ክፍንፍንዎን ክጸልእዋን ክንገብር ኣሎና። ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ክንሕዞም ይግባእ።

ምስቶም መንእሰያት ደቂ 13-14 ዘለው ኣወዳት ብጽውጽዋይን ባህላዊ ስነ ጥበብን ክንሰርሕ ይግባእ። እዞም መንእሰያት በቲ ኣብ ናይ ወሲብ ፊልምን መጽሄታትን ዝረኣይዎ፡ ነተን ኣብ ናይ ወሲብ ንግዲ ዝነጥፋ ኣመንዝራታት ሕጉሳት ከምዝኾና ኢዩ ዝርድኦም። ብዛዕባ እተን ኣዋልድ ግና ክንዮ እዚ ዝርኢ ሰብ የለን።

''እተን ኣመንዝራታት ሕጉሳት እየን ንዝብል ጸውጽዋይ ከዕንዎ እየ ዝደሊ። ሰባት ነተን ኣዋልድ ክንዮ እቲ ዘለውኦ ኩነታት ክጥምቱ ኢዩ ድልየተይ'' ድማ ይብል ሩቺራ ጉፕታ።