ኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳ፡ መሰል ሃይማኖት ክኽበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ካናዳ፡ ቶሮንቶ፡ ሞንትርያል ለንደን-ካናዳ፡ ክቺነር፡ ካልእን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ከቢድ ቁርን ዛሕልን ኣብ ዝነበሮ ኪሊማ፡ ትማሊ 29 ሕዳር ኣብ ፊት ቤት-ጽሕፈት ፓርላማ ካናዳ ኮይኖም ኣብ ኤርትራ ዝተጋህሰ መሰል ሃይማኖትን እምነትን ክኽበር ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቶሮንቶ ዝተወደበ ናይ ኣቤቱታ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ናእሽቱን ዓበይትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን፣ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ተኸተልቲ ምስልምናን ክርስትናን ከምዝተጸንበሩዎ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ሰልፊ መሰል ሃይማኖት ክኽበርን እተን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝዓጸወን ኣስታት ሰላሳ ክሊኒካትን፤ ብሓይሊ ዝተወስዳ ናይ ኩለን እምነታት፡ ናይ ካቶሊክ፣ ኦርቶዶክስን እስልምናን ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ዋናታተን ክምለሳን፡ ከም ቀደመን ንህዝቢ ኣገልግሎት ንክህባ ክፍቀደለን ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ እቲ ሰልፊ ኣቶ ከሰተ ድራር ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰልፊ ኣባ ክፍለማርያም ገብረክርስቶስ፡ ናይ ቶሮንቶ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ዘስርዓተ ግእዝ ቆሞስ፡ " ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ ቀደም ካብ እዋን መግዛእቲ ኣትሒዛ ምስ ህዝባ ኮይና ኣንጻር ዓመጽን ግፍዕን ጠጠው ከምእትብል፡ ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋን ኣባ ኣጎስቲኖ ተድላ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ይጣበቑ ምንባሮም ኣረዲኦም።

ንኣብነት፡ ኣብ 1975 ህዝቢ ኣስመራ ብስርዓት ደርግ ኣብ ዝከላበተሉ ዝነበረ፡ ሰራዊት ደርግ፡ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያ ሳንታ ኣንቶንንዮ ተዓቚቡ ዝነበረ ህዝቢ ከበሳብሱ ምስ መጽኡ፡ ኣባ ኣጎስቲኖ "ንዓይ ቀቲልኩም ህዝበይ ቅተሉ" ብምባል ኣብ ቅድሚ ጥይትን ዓረርን ጠጠው ከምዝበሉ ዘኪሮም።

ከምኡ እውን ካብ ቡፋሎ ኣመሪካ ዝመጽኡ ቀሺ ማርቆስ ደባስ፡ ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክን ካህናትን ኣመንትን ዝግበር ዘሎ ማእሰርትን ግህሰትን ደው ክብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀደሙ ሓድነቱ ዓቂቡ ከይተሓለለ ፍትሒ ክጠልብ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ካናዳ ን18 ዓመታት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ዮዲት ብርሃነ፡ "ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ንዘለው፡ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ካህናትን ኣመንትን ክፍትሑ ኢና ንጽውዕ ዘሎና ክትብል፡ ነቲ ኣብ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ግህሰት ሃይማኖት ክምለስ፡ ናብ ፈጣርን መንግስቲ ካናዳን ንምሕጸን ኣሎና" ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኣስመራ ናብ ኣመሪካ ክበጽሑ ዝመጽኡ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኣርቶዶክሳዊት ኤርትራ፡ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መሕተት፡ "ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ዘለውዎ ኩነታት ምስ ማሕቡስ ኮነ ማእሰርቲ ክግለጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ምሳና'ዩ ዝነብር ኣይተኣስረን ሓለዋ እውን የብሉን" ክብሉ ገሊጾም ነይሮም። ይኹን'ምበር ዮዲት " ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሕ ስለዝተባህለ ከይረኣናን ካብ ቃሎም ከይሰማዕናን ኣይንኣምንን ኢና" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ።

ኣቶ ጌቱ ጸጋይ ካብ ቶሮንቶ ብወገኑ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ነበርቲ ካናዳ ብ18 መስከረም ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ፊት ፓርላሜንት ኦንታርዮ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፡ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ብምጥቃስ፡ ሕጂ ከኣ መቐጸልትኡ ኣብ ኦታዋ ይካየድ ምህላው ኣረዲኡ።

ቀጺሉ ኣቶ ጌቱ፡ " መንግስቲ፡ ብኣመንቲ ጂሆቫን እስልምናን ጀሚሩ፡ ንተኸተልቲ እምነት ጴንጤ ኮስጤ፡ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን በብሓደን ነጻጺሉን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣረኻኺቡልና'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ኩላትና ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ሰፊኑ፡ መሰል እምነትን ሃይማኖትን ክኽበርን፡ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑን ንጽውዕ ኣሎና" ክብል ንምኽንያት ናይቲ ዕለት ሰላማዊ ሰልፊ ኣነጺሩ።

ኪኢላ ስነ-አእምሮ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንደ'ውን "ሓድነትና ዘስግኦ ብቐረባ ከረኻኽበልና ዘይክኣለ ስርዓት፡ ብዓሌትን ሃይማኖትን ክኸፋፍለና እኳ እንተፈተነ፡ ሓድነትና ብዝኾነ ምስምስ ከምዘይሽረፍ፡ እዚ ኩሉ ዜጋ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ መርኣያ እዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት፡ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ወርሒ መስከረም ከኣ ብሃይማኖታውያን ትካላት ንዝውነና ኣብያተ-ትምህርቲ ድሕሪ ምውራሱ፡ ብትካላት ሃይማኖትን ዜጋታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓያል ነቐፌታ ከጋጥሞ ጸኒሑ ኣሎ።

እዚ ትማሊ ኣብ ኦታዋ ካናዳ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣበየ ቦትኡ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሃይማኖት ዝበሃል የሎን። ኣርባዕቲአን ዓበይቲ እምነታት ብሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ብፍቕሪ እየን ዘምልኻን ዝነብራን እዩ ዝብል።

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣወሃሃድቲ ሰልፊ፡ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ኤርትራ ንዘጋጥሞ ዘሎ ኩለንትናዊ ግህሰት ደው ክብል ተርኡ ክጻወት ዝሓትት መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስተን ቱሩዶ ኣረኪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ማእከላት ጥዕና ድሕሪ ምህጋሩ፡ ብዙሕ ነቐፌታት ቀሪብዎ እዩ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳኔላ ክራቨዝ፡ እቲ ተግባር "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምዘይብሉ" ዘርኢ ፍጻመ እዩ ኢላ ነይራ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሕጋዊ ምዃኑ ዘብርህ መገለጺ ከምዘውጸአ ይዝከር።

ኣብ መግለጺኡ "ሃይማኖታዊ ትካላት ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ልምዓታዊ ንጥፈታት ከሳልጡ ኣይፍቀደሎምን፡ ምኽንያቱ ድማ ተኸተልቲ ናይቲ ትካል ዘይኮኑ ሰባት ዘግልል ክኸውን ስለዘይክእል" ኢሉ ነይሩ።