ኣስከሬን ስድራ-ቤቱ ንመሸጣ ዝወሰደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ሞዛምቢክ፡ መቓብር ስድራ-ቤቱን ኣኩኡን ፍሒሩ፡ ኣስከሬኖም ክወስድ ዝተረኸበ ውልቀ-ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ።
እቲ ጥርጡር ንፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንሓደ በዓል ዋኒን ሞተር-ሳይክልን፤ ልዕሊ 300 ዶላር ክህቦ ምስ ተመባጸበዖ'ዩ ኣብ ምፍሓር እቲ መቓብር ተዋፊሩ።
እቲ በዓል ዋኒን ድማ፡ ልዋለ ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ ድህሰሳ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝተዋፈረ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ኣትዩ ዘሎ ጥርጡር፡ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ናይ ሰለስተ መቓብር ኲዒቱ ኣስከሬን ከም ዘውጸአ ንፖሊስ ሓቢሩ።
እቲ ጥርጡር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኣስራሓይ፡ ከይሓመሙ ዝሞቱ ኣስከሬናት ኣክብ ኢሉኒ። ንሱ ድማ፡ ሞቶር-ሳይክል ክህበኒ ተሰማሚዑ። ኣብቲ እንዳ መቓብር ከይደ ድማ ኣስከሬን ኣቦይ፤ ኣደይ፤ ኣኮይን ፍሒረ ወሲደዮ። ናብ ከተማ ሉዋላ ከይደ ድማ ነቲ ኣስራሓይ ኣይረኸብክዎን" ክብል ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ከምዚ ዓይነት ነገር ንሓምሻይ ግዜ የጋጥም ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መብዛሕትኡ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ምስ ጥንቆላ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይንገር
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







