ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ኣስከሬን ዘይብሎም ሳናዱቕ ተቐቢሮም

ስድራ ቤታት ካብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጥመሎ ሓመድ ብምውሳድ ስነ ስርዓተ ቀብሪ ኣካይዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ንግዳያት'ቶም ኣብ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣስከሬ ዘይብሎም ባዶ ዝኾኑ ሳናዱቕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቢሮም።

ብሰንኪ'ቲ ከቢድ ረጽሚ ናይ'ታ ዝወደቐት ቦይን 737 ማክስ ሸሞንተ ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ዛጊት ዝተረኸበ ኣስከሬን የለን።

እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ምስ ተበገሰት'ያ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ፡ ኣሳፊራቶም ዝነበረት 157 ሰባት ድማ ብምሉኦም ሞይቶም።

ሓደ ሓደ ኣባላት ስድራቤት መወትቲ ብሓዘን ተዋሒጦም ነይሮም። ገለ ካብኦም ድማ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ኣብ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን ተደፊኦም ክበኽዩ ተራእዮም።

ንገለ ኣባላት ስድራቤት መወትቲ ድማ ካብታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ዝነደደ ሓመድ ንመዘከርታ ተዋሂብዎም።

ምሉእ ምዕጻው

ምጽራይ መንነት ግዳያት ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ነቶም ስድራ ግዳያት ተነጊርዎም ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ምውዳቕ ናይ'ታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ምውዳቕ ናይ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝወደቐት ነፋሪት "ንጹር ተመሳሳልነት" ከምዘለዎ እቲ ኣብ'ቲ ናይ'ታ ነፋሪት ሳጹን መኽዘን ሓበሬታ [ብላክ ቦክስ] ከምዘርኣየ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኢትዮጵያ ሓቢራ።

ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንገዲ ኣየራት ነተን ቦይን 737 ማክስ ሸሞንተ ዝዓይነት ነፈርቲ ንኸይበራ ኣጊደን ኣለዋ።

ሪፖርተርና ቃልኪዳን ይበልጣል፡ ቀቅድሚ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ንስድራቤት ግዳያት ግዝያዊ ወረቐት መረጋገጺ ሞት ከም እተዋህቦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምዝካር'ውን ኣብ መዕርፎ ነፈረት ቦሌ ናይ ስንብት ዝክሪ ተኻይዱ።

ነቶም 36 ኬንያውያን ንምዝካር ድማ ቤተሰቦምን ዲፕሎማሰኛታት ናይ'ተን ዜጋታተን ዝሞትወን 30 ሃገራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ፍትሓት ተኻይዱ።

እቲ ብጥዋፍን ሽምዓታትን ዝተሰነየ ናይ ጸሎትን ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ብሓዘን ዝተዋሕጠ ነይሩ ኢሉ ኣብ'ቲ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርዲናንድ ኦሞንዲ።

ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ናይ ዓለም ሓዘን'

ስድራቤት ግዳያት ንመዘከርታ መወትቲ ተባሂሉ ቁጽር ሓመድ ተዋሂብዎም ኢሉ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኬንያ ጀምስ ማሻሪያ ኣብ`ቲ ቤተክርስቲያን ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዘከርታ ናይ'ቶም ዝፈትውዎም ኣዝማዶም ዝኸውን ቁጻር ሓመድ ናብ ዓዶም ክወስዱ ኣፍቂዱሎም" ኢሉ ንሱ።

ሓደ ሓደ ስድራቤታት ግን ገለ ኣካላት ናይ'ቶም ግዳያት ምስ ዝዋሃቦ ጥራይ ሓዘኖም ክዓጽዉ ከምዝኽእሉ ንጋዜጠኛና ሓቢሮሞ።

ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ንግዳያት ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ንግዳያት ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት
ኣብታ ነፋሪት 8 ኣባላት መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሞይቶም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ነፋሪት 8 ኣባላት መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሞይቶም እዮም
ጠንቂ እቲ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ክሳብ ሕጂ እንታይ መኳኑ ኣይተፈለጠን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጠንቂ እቲ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ክሳብ ሕጂ እንታይ መኳኑ ኣይተፈለጠን

ስዳራቤት ግዳያት ወይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ኣብያት ጽሕፈታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተረኺቦም ናይ ዲ ኤን ኤ መርኣያ [ሳምፕል] ክህቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።

ኣብ'ቲ ኣብ መዕርፎ ነፈረት ቦሌ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዘከርታ ስነ-ስርዓት ድማ ሓዘንተኛታት እቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን ምልክት ዝኾነ ጻዕዳ ዕምባባታት ሒዞም ከምዝነበሩ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

"ዓሚቕ ሓዘንና ነቶም ዝሞቱ ክመልሶም ኣይክእል'ዩ" ኢሉ ሓደ ቀሺ ናይ ኦርቶዶጽ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን።

"እዚ ሓዘን ናይ መላእ ዓለም'ዩ" ድሕሪ ምባሉ ድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ ኢሉ ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ።

ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዝተነበረ ዕምባባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዝተነበረ ዕምባባ

ጠንቂ ምውዳቕ ናይ'ታ ሓዳስ ነፋሪት ንምፍላጥ "ነዊሕ እዋን ክወስድ ይኽእል'ዩ" ኢላ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኢትዮጵያ።

"ከምዚ ዓይነት ክብደት ዘለዎ ጉዳይ መርሚርካ ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ክትረብ ጥንቃቐ ዝሓትት መጽናዕትን ነዊሕ እዋንን የድሊ" ኢላ ሚኒስተር ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መብርሂ።

እቲ ብኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መርመራ፡ ንኣሜሪካን ፈረንሳይን ሓዊስካ ካብ ሓያሎ ጉጅለታት ዓለምና ይሕገዝ ኣሎ።