ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ኣስከሬን ዘይብሎም ሳናዱቕ ተቐቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንግዳያት'ቶም ኣብ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣስከሬን ዘይብሎም ባዶ ዝኾኑ ሳናዱቕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቢሮም።
ብሰንኪ'ቲ ከቢድ ረጽሚ ናይ'ታ ዝወደቐት ቦይን 737 ማክስ ሸሞንተ ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ዛጊት ዝተረኸበ ኣስከሬን የለን።
እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ምስ ተበገሰት'ያ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ፡ ኣሳፊራቶም ዝነበረት 157 ሰባት ድማ ብምሉኦም ሞይቶም።
ሓደ ሓደ ኣባላት ስድራቤት መወትቲ ብሓዘን ተዋሒጦም ነይሮም። ገለ ካብኦም ድማ ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሸፊኑ ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ስላሴ ዓሪፉ ኣብ ዝነበረ ሳናዱቕ ኣስከሬን ተደፊኦም ክበኽዩ ተራእዮም።
ንገለ ኣባላት ስድራቤት መወትቲ ድማ ካብታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ዝነደደ ሓመድ ንመዘከርታ ተዋሂብዎም።
ምሉእ ምዕጻው
ምጽራይ መንነት ግዳያት ክሳብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ነቶም ስድራ ግዳያት ተነጊርዎም ኣሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ምውዳቕ ናይ'ታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ምውዳቕ ናይ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶነዢያ ዝወደቐት ነፋሪት "ንጹር ተመሳሳልነት" ከምዘለዎ እቲ ኣብ'ቲ ናይ'ታ ነፋሪት ሳጹን መኽዘን ሓበሬታ [ብላክ ቦክስ] ከምዘርኣየ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኢትዮጵያ ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ምውዳቕ እታ ነፋሪት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መንገዲ ኣየራት ነተን ቦይን 737 ማክስ ሸሞንተ ዝዓይነት ነፈርቲ ንኸይበራ ኣጊደን ኣለዋ።
ሪፖርተርና ቃልኪዳን ይበልጣል፡ ቀቅድሚ'ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ንስድራቤት ግዳያት ግዝያዊ ወረቐት መረጋገጺ ሞት ከም እተዋህቦም ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምዝካር'ውን ኣብ መዕርፎ ነፈረት ቦሌ ናይ ስንብት ዝክሪ ተኻይዱ።
ነቶም 36 ኬንያውያን ንምዝካር ድማ ቤተሰቦምን ዲፕሎማሰኛታት ናይ'ተን ዜጋታተን ዝሞትወን 30 ሃገራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ፍትሓት ተኻይዱ።
እቲ ብጥዋፍን ሽምዓታትን ዝተሰነየ ናይ ጸሎትን ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ብሓዘን ዝተዋሕጠ ነይሩ ኢሉ ኣብ'ቲ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርዲናንድ ኦሞንዲ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ናይ ዓለም ሓዘን'
ስድራቤት ግዳያት ንመዘከርታ መወትቲ ተባሂሉ ቁጽር ሓመድ ተዋሂብዎም ኢሉ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኬንያ ጀምስ ማሻሪያ ኣብ`ቲ ቤተክርስቲያን ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዘከርታ ናይ'ቶም ዝፈትውዎም ኣዝማዶም ዝኸውን ቁጻር ሓመድ ናብ ዓዶም ክወስዱ ኣፍቂዱሎም" ኢሉ ንሱ።
ሓደ ሓደ ስድራቤታት ግን ገለ ኣካላት ናይ'ቶም ግዳያት ምስ ዝዋሃቦ ጥራይ ሓዘኖም ክዓጽዉ ከምዝኽእሉ ንጋዜጠኛና ሓቢሮሞ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስዳራቤት ግዳያት ወይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ኣብያት ጽሕፈታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተረኺቦም ናይ ዲ ኤን ኤ መርኣያ [ሳምፕል] ክህቡ ተሓቲቶም ኣለዉ።
ኣብ'ቲ ኣብ መዕርፎ ነፈረት ቦሌ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዘከርታ ስነ-ስርዓት ድማ ሓዘንተኛታት እቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን ምልክት ዝኾነ ጻዕዳ ዕምባባታት ሒዞም ከምዝነበሩ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
"ዓሚቕ ሓዘንና ነቶም ዝሞቱ ክመልሶም ኣይክእል'ዩ" ኢሉ ሓደ ቀሺ ናይ ኦርቶዶጽ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን።
"እዚ ሓዘን ናይ መላእ ዓለም'ዩ" ድሕሪ ምባሉ ድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ ኢሉ ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠንቂ ምውዳቕ ናይ'ታ ሓዳስ ነፋሪት ንምፍላጥ "ነዊሕ እዋን ክወስድ ይኽእል'ዩ" ኢላ ሚኒስተር መጓዓዚያ ኢትዮጵያ።
"ከምዚ ዓይነት ክብደት ዘለዎ ጉዳይ መርሚርካ ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ክትረብ ጥንቃቐ ዝሓትት መጽናዕትን ነዊሕ እዋንን የድሊ" ኢላ ሚኒስተር ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መብርሂ።
እቲ ብኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መርመራ፡ ንኣሜሪካን ፈረንሳይን ሓዊስካ ካብ ሓያሎ ጉጅለታት ዓለምና ይሕገዝ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







