ሓንቲ ተጓዓዚት፡ ኣብ ጋቢና ነፋሪት፡ ስእሊ ክትሰኣል ዘፍቀደ ኣብራሪ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Weibo/Screenshot
ሓንቲ ተሳፋሪት ኣብ ጋቢና ነፋሪት ኮይና ዝተሳእለቶ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስዘርጋሐት፡ እቲ ንኽትሰኣል ዘፍቀደላ ቻይናዊ ፓይለት ነፋሪት ከየብርር ተኣጊዱ።
እቲ ስእሊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተወስደ ኮይኑ፡ እታ ነፋሪት፡ ካብ ከተማ ጋውሊን ናብ ያንገዛው ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ማዕከናት ዜና ቻይና ገሊጸን።
እታ ተሳፋሪት፡ ኣብ ጋቢና ነፋሪት ኮፍ ኢላ፡ ኣብ ቅድሚኣ ድማ መግብን መስተን ተቐሪቡ ይረኣ።
መንገዲ ኣየር ጋውሊን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ፓይለት ውሕስነት ተሳፈርቲ ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተወ ሓቢሩ። እቲ ስእሊ፡ 'ወቦ' ኣብ ዝታባህለ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ምስ ተዘረገሓ እዩ ኣቓልቦ እቲ መንገዲ ኣየር ክረክብ ክኢሉ።
እታ ገያሺት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋውሊን ከም ናይ ነፋሪት ኣሳሳይት (ሆስተስ) ስልጠና ከምእትወስድ ይዝረብ።
ስእላ፡ ኣብ ግዜ በረራ'ዶ ተወሲዱ ይኸውን ንዝብል ሕቶ እቲ መንገዲ ኣየር ኣየነጸረን። እንተኾነ ግን፡ ቻይናውያን ፓይሎታትን ተንተንትን፡ እቲ ስእሊ ኣብ ግዜ በረራ ከም ዝተወስደ ይሕብሩ።
ስሙ ዘይተጠቕሰ ፓይለት፡ ንምሉእ ህይወቱ'ዩ ነፋሪት ከይበርር ተኣጊዱ ዘሎ።
ካልኦት ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት'ውን ክሳብ እቲ መርመራ ዝውዳእ፡ ንዘይተወሰ ግዜ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ኣለው።
ብመሰረት ምምሕዳር ስቪል ኣቪየሽን ቻይና፡ ተሳፋራይ ፍሉይ ፍቓድ ረኺቡ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጋቢና ናይ ነፋሪት ክኣቱ ኣይፍቀደሉን።
ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ዶንጋይ' ኣብ ዝተባህለት መንገዲ ኣየር፡ ሓደ ኣሰልጣኒ በረራ፡ ንሰበይቱ ኣብ ጋቢና ነፋሪት ክትኣቱ ብምፍቃዱ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







