እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናዕቢ ዒራቅ፡ ተቓወምቲ ኣብ ካርባላ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ኣጥቂዖም
ተቓወምቲ ዒራቕ፡ ኣብ ቅድስቲ ከተማ ካርባላ ኣብ ዝርከብ ቆንስላ [ቆንስል]ኢራን መጥቃዕቲ ምስ ከፈቱ፡ ሰለስተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶም።
ኢራን ኣብ ጉዳያት ዒራቕ ዘለዋ ምትእትታው ጠጠው ከተብል ኣለዋ ዝበሉ ተቓወምቲ፡ ናብ ሓጹር እቲ ቖንስላ ሓዂሮም'ዮም።
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ስጉምቲ እንተወሰዱ'ውን፡ ነቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ግን፡ ካልእ ዘይተፈልጠ ጠበንጃ ዝዓጠቐ ሰብ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ዝወጽአ ካልእ ሓበሬታ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝተኣከቡ ተቓወምቲ መጥቃዕቲ ፈንዮም'ዮም ዝብሉ ጸብጻባት'ውን ኣለው።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዒራቕ፡ እቶም ተቓወምቲ ተቓውምኦም ጠጠው ከብሉ እንተተማሕጸነ'ውን፡ መንግስቲ ኢራን ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኢዱ የእቱ ኣሎ ዝበሉ ተቓወምቲ ግን ተቓውምኦም ቐጺሎም'ዮም።
ብልሽውና፣ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ድኹም ህዝባዊ ኣገልግሎትን መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣደል ዓብዱል ማሃዲ ንዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ዝተዓጸው መገዲታት ክኸፍቱን "ርግኣት እታ ሃገር ናብ ንቡር ንክምለስ" ንክሕግዙን ሓቲቱ።
መንግስቲ፡ ሰላማዊ ተቓውሞ ከም ዘኽብር ብምግላጽ፡ ኣብ መዲና'ታ ሃገር ሓዊሱ ኣብ ቑልፊ ወደባት ዝተርኣየ ምዕጻው መገዲ፡ እታ ሃገር ቢሊዮናት ከም ዘስኣናን ወሰኽ ዋጋ ክፍጠር ምኽንያት ከም ዝኾነን'ውን ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ባርሃም ሳልሕ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዱል ማህዲ ዝትክኦ እንተተረኺቡ ካብ ሓላፍነቱ ንምውራድ ፍቓደኛ ምኻኑ ተዛሪቡ'ዩ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ተቓወምቲ ሙሉእ ፖለቲካዊ ህንጸት እታ ሃገር ክጽረግ'ዮም ዝጠልቡ።
ንመንግስቲ ዒራቕን ሚሊሻታት ሽዓ ሙስሊምን እትሕግዝ ኢራን ብወገና፡ እቶም ተቓወምቲ ዝጠልቡዎ ለውጢ፡ "ሕጋዊ መስርሕ" ዝተኸተለ ክኸውን ብምግላጽ፡ "ጸላኢ ነቲ መዋቕር ክሰብር'ዩ" ዝደሊ ከትብል ኣጠንቂቓ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካህመኒ "ትካላት ስለያ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን፡ ኣብዚ ዞባ ምስ ዘለው ብፋይናንስ ዝድግፍኦም ሓይልታት ብምዃን ናዕቢ ይነዝሑ'ዮም ዘለው" ኢሉ ነይሩ።
ብሰንበት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ "ካርባላ ናጻ'ያ፤ ኢራን ትውጻእ" ብምባል ኣብ ደገ ኣፌት ቖንስላ ኢራን ተቓውምኦም ይገልጹ ነይሮም።
ገለ ተቓወምቲ፡ ኣእማን ብምድርባይ ኣብ ዙርያ እቲ ቖንስላ ዝነበሩ ነገራት ኣቃጺሎም። ሰለስተ ሰባት ድማ ሓጹር እቲ ቖንስላ ብምሕዃር፡ ባንዴራታት ዒራቕ ኣብ ቆንስላ ኢራን ኣንበልቢሎም።
ኤኤፍፒ ሰብ ሞያ ሕክምና ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ ፖሊስ ተቓወምቲ ንምብታን ብዝተኮሶ ብዙሓት ቖሲሎም'ዮም።
ሮይተርስ፡ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም ክብል ጸብጺቡ'ዩ። ብሓደ ጥቅምቲ ኣብ ዝጀመረ ተቓውሞ፡ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝፍጠሩ ጎንጺታት ልዕሊ 250 ሰባት እንትሞቱ ካልኦት ትሸዓተ ሽሕ ቖሲሎም።