እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ በዝተኸሰቱ ጎንጽታት ዝሞቱ ሰባት 86 ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ
ቅድሚ ሰሙን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሃረሪን ብዝተወልዑ ጎንጽታት ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ሰባት 86 ከም ዝበጽሐ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ትማሊ ሰንበት ኣማሲዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሞንጎ'ቶም ዝሞቱ እቶም 76 ብሓድሕዳዊ ጎንጺ ከም ዝተቐተሉ ተዛሪቡ።
10 ድማ ኣባላት ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ኣረጋጊጹ።
ግዳያት ሞት ዝኾኑ ዜጋታት ብብሄር፣ ጾታን ሃይማኖትን ዘርዚሩ ዘቕረበ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር፡ 82 ደቂ ተባዕትዮ 4 ደቂኣንስትዮ ምዃኖም ገሊጹ።
ከምዚ ዝበለ ጎንጺ ክኽሰት ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ከም ዝትንክፍ'ውን ኣረዲኡ።
"ዝሓለፉ ጌጋታት ብምእራም ብኻልእ ገጽ ከኣ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋጽ ሕጋውን ተመጣጣንን ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ።
ኣብቲ ዝተወለዐ ጎንጺ ኢዶም ዝሓወሱ ኣካላት ከከም መጠን ጥፍኣቶም ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።
ኣካላት ጸጥታ ኣብ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ከምኡ'ውን ውሕስና ትካላትን ኢንዳስትሪታትን ብሕጋዊ መገዲ ክሕልዉ ኣተሓሳሲቡ።
"ኣካላት ፍትሒ ነቶም ኣብቲ ጥፍኣት ዝተሳተፉ ዘምህር፤ ንግዳያት ድማ ካሕሳ ዝኸውን ቅልጡፍ ፍትሒ ክህቡ ይግባእ" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።