ጋና፡ ብውሑጅ 28 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ጋና ዘጋጠመ ዕልቕልቕ

ምንጪ ስእሊ, My joyOnline

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጋና ንተኸታተልቲ ሸሞንተ መዓልታት ዝዘነበ ዝናብ ዘኸተሎ ዕልቕልቕ ብውሑዱ 28 ሞይቶም።

በዚ ብርቱዕ ውሑጅ ዘኸተለ ዝናብ፡ ልዕሊ 1000 ኣባይቲ ክፈርስ እንከሎ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ሰብ መዚ ጋና፡ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ኣሃዝ ክውስኽ ከም ዝኽእል ስክፍተኦም እንትገልጹ፡ ሰብ መዚ ምክልኻል ሓደጋታት እታ ሃገር፡ ናብ ግዳያት ረዲኤት ምብጻሕ ከም ዝጀመሩ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሓደጋታት ጋና ጆርጅ ኣይሲ "እቲ ዘሎ ህሉው ጸብጻብ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ዞባ ምብራቕ ጋና 28 ሰባት ከም ዝሞቱ እዩ ዝሕብር፤ እንተኾነ እቲ ዝናብ ገና ይቕጽል'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

እቶም ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ቤት ክርስትያናትን እዮም ተዓቒቦም ዘለዉ።

ምክትታል ትምበያ ኩነታት ኣየር ጋና፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ከም ዝግበር ብምሕባር፡ ተወሳኺ ዕልቕልቕ ብምፍጣር ኣብ ሂወት ሰባት ሓደጋ ከየውርድ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ'ሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኣፍሪቃ ብልጫ ዝረኸበ ናይ ዓሶ መፍትሐ፣ ብድሕሪ መጋረጃ