ብረክዚት፡ ብሪጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ስምምዕ በጺሖም

ብሪክዚት

ወከልቲ ብሪጣንያን [እንግሊዝን] ሕብረት ኣውሮጳን፡ ድሕሪ'ቲ ከካይድዎ ዝቐነዩ ዝተሓላለኸ ልዝባት ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ " [ጉዳይና ባዕልና] ክንቆጻጸር ዘኽእል ዓቢ ስምምዕ ገይርና ኣሎና" ክብል ብትዊተር ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ሕጋዊ ገጽ ናይቲ ስምምዕ ክሰርሑ'ዮም ጸኒሖም። ይኹን እምበር፡ እቲ ስምምዕ ብባይቶታት ብሪጣንያን ኣውሮጳን ተቐባልነት ረኺቡ ክጸድቕ ኣለዎ።

እቲ ኣብቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት፡ ቀንዲ ብድሆ ዝነበረ ጉዳይ ዶብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድን፡ እታ ኣካል ብሪጣንያ ዝኾነት ሰሜን ኣየርላንድን'ዩ።

ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ፡ ቀንዲ ደጋፊ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነ፡ ደሞክራስያዊ ሕብረት ኣየርላንድ (DUP): ሕጂ'ውን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ፡ ጀረሚ ኮርቢን ብወገኑ፡ እቲ ሓድሽ ስምምዕ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ "ዝኸፍአ'ዩ" ክብል ተቓዊምዎ'ሎ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ጃን ክላውደ ያንከር ግን፡ "ርትዓውን ሚዛናውን'ዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ቦሪስ ጆንሰንን፡ ያንከርን፡ ባይቶታት ክልቲኡ ወገን ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ክድግፍዎ ጸዊዖም ኣለዉ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ መዓልቲ ፍትሕ ብሪጣንያ ካብቲ ሕብረት ን31 ጥቅምቲ'ዩ ተቖጺሩ ዘሎ።

ባይቶ ብሪጣንያ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብ19 ጥቅምቲ እቲ ናይ ፍትሕ ቆጸራ ክመሓላለፍ ወግዓዊ ጠለብ ከቕርብ ዝእዝዝ ሕጊ ኣብ መስከረም ምጽዳቑ ይዝከር።

እቲ ባይቶ ንቀዳም 19 ጥቅምቲ፡ ክእከብ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምውሳን ሎሚ ክእከብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ

ብሓፈሽኡ፡ እቲ ስምምዕ ካብቲ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተሬዛ መይ ዝቐረበ እማመ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን።

  • ብሪጣንያ ክሳብ መወዳእታ 2020፡ ምናልባት'ውን ኪኖኡ፡ ብሕግታት ሕብረት ኣውሮጳ ክትቅየድ
  • ብሪጣንያ፡ 39 ቢልዮን ፓውንድ "ናይ ፍትሕ ክፍሊት" ነቲ ሕብረት ክትከፍል
  • መሰላት ዜጋታት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብሪጣንያን፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብቲ ሕብረትን ውሕስነት ክረክቡ

እንታይከ ተቐዪሩ

እቲ ተቐዪሩ ዝበሃል እማመታት ንኩነታት ሰሜን ኣየርላንድ ዝምልከት'ዩ።

  • ሰሜን ኣየርላንድ ምስቲ ናይቲ ሕብረት ናይ ሓባር ዕዳጋ ክጽጋዕ
  • "ባክስቶፕ" ክስረዝ- እቲ እማመ ንብሪጣንያ ኣብቲ ናይቲ ሕብረት ስርዓተ ጉምሩክ ክትጸንሕ ዝገብር'ዩ ብምባል ብዙሓት ክነጽግዎ ዝጸንሑ'ዩ
  • ሰሜን ኣየርላንድ ኣካል ስርዓተ ጉምሩክ ብሪጣንያ ክትከውን
  • ይኹን እምበር፡ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኣፍደገ ስርዓተ ጉምሩክ ዞባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትከውን። ብሪጣንያ ነቲ ናብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝኣቱ ኣቑሑት ቀረጽ ከተኽፍል
  • ሓደ ናይ ሓበር ኮሚቲ ክልቲኡ ወገናት፡ ነቶም ናብቲ ናይ ሓባር ዕዳጋ እቲ ሕብረት ክኣትዉ ተኽእሎ ኣለዎም ዝብሎም ኣቑሑት ኣየኖት ምዃኖም ክውስንን፡ ብሪጣንያ ኣብቶም ኣቑሑት ኣብ ክንዲ'ቲ ሕብረት ኮይና ቀረጽ ክትእክብ።
  • ባይቶ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣብ ምትራፍን ምቕጻልን ናይዚ ናይ ንግዲ ስምምዕ ኣድሚጹ ክውስን
  • እቲ ውሳነ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መንጎ ሪፓብሊካውያንን ሕብረታውያንን ዝኸውን፡ ብቐጥታዊ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ክኸውን ዝብሉ'ዮም።