ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ብምውሳዱ፡ ኣብ ኦሮሚያ ሰልፊ መግለጺ ሓጎስ ተኻይዱ

ሽልማት ኖቤል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሰልፊ ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ብምዕዋቱ፡ ኣስታት 20 ኣብ ዝኾና ከተማታት ክልል ኦሮሚያ፡ መግለጺ ሓጎስ ሰልፍታት ተኻይዱ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማታት ጅግጅጋን ድሬዳዋን'ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ይግለጽ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ፡ ስእሊ ኣብ 19 ከተማታት ናይ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ኣብ ፌስቡክ ጠቂዑ።

ወሊሶ፣ ጅማ፣ ኣጋሮ፣ በደሌ፣ መቱ፣ ጊንጪ፣ ኣምቦ፣ ነቀምቴ፣ ኣዳማ፣ ዱከም፣ ባቱ፣ ሻሸመኔ፡ ጉጂ፣ ነገሌ ቦረና፣ ቡሌ ሆራ፣ ሱሉልታ፣ ለገጣፎ ለገዳዲ፣ ፊቼ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ምዕራብን ምብራቕን ሃረርጌ ዝርከባ ብርክት ዝበላ ከተማታት፡ ገለ ካብተን ሰልፊ ዝተኻየደለን ከተማታት'የን።

ሽልማት ኖቤል ሰላም እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወግዓዊ ምስ ኮነ፡ ነዚ ንምድጋፍን ሓጎስካ ንምግላጽን ሰልፊ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ጎስጓስ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክካየድ ጀሚሩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሰልፊ ዝተሳተፈ መንእሰይ፡ "ኣብ ናይ ሓጎስ ሰልፊ ኢና ዘለና። ከተማ ጅማ ኣብ ፍሉይ ስምዒት ኣላ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሻሸመኔ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰልፊ ተሳታፊ ዝኾኑ ነባሪ ናይታ ከተማ፡ እቶም ሰልፈኛታት ሓጎሶም ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣብ ከባቢታት ወለጋን ጉጂን ጸጥታ ከስፍን ሓቲቶም ኢሎም።