ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ተዓዊቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ተዓዋቲ ከምዝኾነ ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ዝርከብ ኮሚተ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ዝወሰዶም ለውጢታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ዝፈጠሮ ዕርቀ ሰላም፡ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ክዕወት ከምዝኽአሎ ኣዶ መንበር እቲ ኮሚተ፡ በሪት ረይስ-ኣንደርሰን ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ምስ ወጽኣ፡ ካብ መንጎ ዝወሰዶም ዓበይቲ ተበግሶታት ሓደ፥ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነት ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ከብቅዕ ምግባር እዩ።

ካልኦት ሽልማታት ኖቤል ድማ፡ ኣብ ስዊድን ስቶክሆልም ዝወሃቡ እንትኾን፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ዝተዓወተሉ ሽልማት ኖቤል ሰላም ድማ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት እዩ ዕላዊ ኾይኑ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ድሕሪ ቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተሓጸየ ካልኣይ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኮይኑ ኣዩ ቐሪቡ።

ንጉስ ሃይለስላሰ ቅድሚ 80 ዓመት ብ1938 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ሕጹይ ሽልማት ኖቤል ኮይኖም ነይሮም ይብል ካብ ትካል ሽልማት ኖቤል ዝተረኸበ ሓበሬታ።

እቶም ንጉስ፡ ኣብ ታሪክ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ሕጹያት ኮይኖም ካብ ዝቐረቡ ሽዱሽተ ንጉሳውያን ሓደ ኮይኖም፡ ቅድሚኦም ሩሲያዊ ንጉስ ዳግማዊ ኒኮላስ፣ ልኡል ስዊድን ካርልን፡ ቀዳማዊ ንጉስ ቤልጅም ኣልበርትን ሕጹያት ነይሮም።

ቀዳማዊ ንጉስ ግሪክ ፖልን ልእልቲ ኔዘርላንድስ ዊልሄልሚን ካልኦት ሕጹያት ንጉሳውያን ነይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ዓመት ሕጹያት ኮይኖም ካብ ዝቐረቡ ተነሓናሕቲ ክዕወቱ ተስፋ ኣለዎም ካብ ሞንጎ ዝተብሃሉ ሕጹያት ኮይኑ ጸኒሑ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ሽልማት ኖቤል ዝተዓወቱ ውልቀሰባት፡ ትሸዓተ ሚሊዮን ክሮነር ስዊድን ወይ ድማ ልዕሊ 900 ሽሕ ዶላር ናይ ገንዘብ ሽልማት ክወሃቦም'ዩ።

ሽልማት ኖቤል ሰላም

ዓመታዊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት፡ መሪሕነታዊ እጃም ንዘበርከቱ ውልቀሰባትን ትካላትን በብዓመቱ ዝወሃብ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ ኣብ ዓለምና ኣፍልጦ ካብ ዝረኸቡ ሽልማታት ብቐዳምነት ይርቋሕ።

ኣልፍሬድ ኖቤል 18 ሕዳር 1888 ዓ.ም ብዝፈረሞ ኑዛዘ፡ ኣብዝሓ ሃብቱ ንሽልማት ኖቤል ተባሂሎም ንዝወሃቡ ሽልማታት ክውዕል ተላብዩ'ዩ።

እዚ ለበዋ፡ "ኣብ ሞንጎ መንግስታት ሰላም ክሰፍን ዝሐሸ ስራሕ ንዝሰርሑ፣ ንሰላም ዝጸዓሩን ሰራዊት ንዝነከዩን ይወሃብ" ይብል።

ካብ 1901 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚሩ ድማ 99 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተበርኪቶም ኣለው።

እዚ ሽልማት ምሃብ ምስ ተጀመረ፡ ክልቲኦም ዓበይቲ ኲናታት ዓለም ኣብ ዝተኻየዱሎም ዓመታትን ካልኦት ምኽንያታትን ን19 ግዜያት ከይተውሃበ ተሪፉ'ዩ።

ትካል ሽልማት ኖቤል ከም ዝብሎ፡ ኣብ እዋን ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም፡ ውሑዳት ሽልማታት ኖቤል ሰላም ዝተውሃቡ እንትኾን፡ ኣብ ካልእ ግዘ ድማ ሕጹያት ኮይኖም ዝቐረቡ ትካላት ኮነ ውልቀሰባት፡ ነቲ ሽልማት ዝበቅዕ ዝጎልሐ እጃም የብሎምን ብዝብል ከይተውሃበ ተሪፉ'ዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ነዚ ዓውዲ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሽልማት ገንዘብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ትካል ይጸንሕ።

እዚ ሽልማት ብውልብጉጅለን ይወሃብ

67 ዝኾኑ ሽልማታት ኖቤል ሰላም፡ ብውልቀ ንዝተዓወቱ ውልቀሰባት ዝተበርከቱ ኮይኖም፡ እቶም 30 ድማ ብጉጅለ ንዝተዓወቱ ተዋሂቦም።

ክልተ ሽልማታት ሰላም፡ ሰሰለስተ ኮይኖም ብጉጅለ ዝተዓወቱሉ ሰባት ኣለው።

እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ዝተውሃቡ ሽልማታት ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን፡ ኣብ 1994 ከምኡ'ውን 2011 ኮይኑ፡ መራሒ ፍልስጤም ያሲር ዓራፋትን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ሺሞን ፔሬዝን ቀዳማይ ሚኒስትር ይዝሃክ ራቢን ብሓባር ወሲዶም።

እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ፕሬዝደንት ላይቤሪያ ዝነበረት ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰን፣ ላይቤሪያዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሌይማህ ቦዊ ከምኡ'ውን የመናዊት ጋዜጠኛን ተሓላቒት መሰላትን ታዋኮል ካርማን እቲ ሽልማት ብሓባር ወሲደን።

ክሳብ ሕጂ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ን106 ውልቀሰባትን 27 ትካላትን ተዋሂቡ ኣሎ።

ኮሚቴ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰለስተ ግዘ እዚ ሽልማት ካብ ዝወሰዱ ትካላት ኮይኑ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልተ ግዘ ተሸሊሙ።

ቀይሕ መስቀል፡ እዚ ሽልማት ሰለስተ ግዘ ብምውሳድ ብቐዳምነት እንትመርሕ፡ መስራቲ እዚ ትካል ሄንሪ ዱና ድማ፡ ፈላማዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም'ዩ።

ብዕድመ ዝነኣሰትን ዝዓበየን ተሸላምቲ ኖቤል ሰላም

ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ክረኽባ እትቃለስ ፓኪስታናዊት ማላላ ዮሱፍዛይ፡ ብ2014፡ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ 17 ዓመታ ብምርካብ፡ እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ተሸላሚት እዚ ዓውዲ ኮይና'ያ።

ብትውልዲ ፖላንዳዊ ዝኾነ ኢንግሊዛዊ ጆሴፍ ሮትብላት፡ ኣጽዋር ኒኩሌር ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዘለዎ ጽልዋ ንምንካይ ብዘበርከቶ እጃም፡ ብ1995 ሽልማት ሰላም ኖቤል እንትብርከተሉ፡ ወዲ 87 ዓመት ነይሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ተሸለምቲ ኖቤል ሰላም

ክሳብ ሕጂ፡ ብውልቂ ካብ ዝተውሃቡ 106 ሽልማታት ኖቤል ሰላም፡ ቑጽሪ እዚ ሽልማት ዝተበርከተለን ደቂ ኣንስትዮ 17 ጥራሕ'ዩ።

ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ድማ፡ በርታ ቮን ሰትነር እያ። ኦስትሪያዊት ሰትነር፡ ጸሓፊት ነዊሕ ልበወለድን ጠበቓ ሰላምን'ያ።

ኣይቕበልን ዝበለ ውልቀሰብ

ቬትናማዊ ፖለቲከኛ ሊ ዱች ቶ፡ ብ1973 ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሓባር ሽልማት ሰላም ኖቤል እንተተዓወተ'ውን፡ ኣይቕበልን ኢሉ'ዩ።

እዞም ውልቀሰባት፡ ስምምዕ ሰላም ቬትናም ክፍረም ብዘበርከቱዎ እጃም ነዚ ሽልማት እንትሕረዩ፡ ሊ ዱች ቶ ግን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ቬትናም ዝነበረ ኩነታት ከም ምኽንያት ብምልዓል ነቲ ሽልማት ኣይቕበልን ኢሉ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎን ምስ ሞተን ሽልማት ዝተዓወተ

ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለው ተሸለምቲ ኖቤል ሰላም ኮይኖም'ዮም።

ጀርመናዊ ተቓላሲ ሰላምን ጋዜጠኛን ካርል ቮን ኦሲትዝኪ፣ ፖለቲከኛ በርማ ኣንግ ሳን ሱ ኪን ቻይናዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሊዩ ዢኦቦን እዮም።

ሓደ ውልቀሰብ ድማ፡ ምስ ሞተ ሽልማት ሰላም ኖቤል ረኺቡ።

እዚ ድማ ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን 1961 ዝተውሃበ ኮይኑ፡ እቲ ተሸላመዊ ድማ ኣቦ መንበር ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ዳግ ሐመርሾልድ'ዩ።

ትካል ሽልማት ኖቤል ግን ድሕሪ 1974፡ ተሸላሚ ምኻኑ ምስ ፈለጠ ንዝሞተ እምበር፡ ብሞት ንዝተፈለዩ ሰባት እዚ ሽልማት ከይብርከተሎም ወሲኑ።