"ሰዓት 12 ዘእሰርናዮስ፡ ሰዓት 5 ናይ ንጎሆ ሰዲዶምዎ" ነበርቲ ዓዲ ዳዕሮ

ምንጪ ስእሊ, Kidanmariam Berhane
ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብገለ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ስልጣን ጉልባብ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
እቶም ነበርቲ፡ መንግስቲ 'ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣቃሊዑ ዘእሰሮም' ጥርጡራት ገበነኛታት ጥቡቕ ስጉምቲ ኣይወሰደን ዝብል ቅሬታ ኣለዎም።
ቀንዲ መረረት ናይቶም ነበርቲ፡ ብፍላይ ሓደ ኣባል ፖሊስ 'ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እናሃለወ፡ ስጉምቲ ኣይተወሰዶን' ዝብል ከምዝኾነ ነበርቲ ይዛረቡ።
ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ብወገኑ፡ ሎምዓልቲ፡ ቤት ምኽሪ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ምስ ኣመሓዳሪን ኣካላት ፍትሒን እቲ ወረዳ ኣኼባ ብምክያድ ከምዝዘተዩሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ነቲ ጉዳይ ኣፃርዩ ንህዝቢ ብቕልጡፍ ዘፍልጥ ኮሚቴ ብደረጃ ዞባን ወረዳን ክጣየሽ መምርሒ ከምዝወረደ ድማ ተዛሪቡ።
ሰልፈኛታት እንታይ ይብሉ?
መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ተግባር ፈጺሞም ዝተብሃሉ ጥርጡራት ተሪር ስጉምቲ ኣይወሰደን ክብል፤ እቲ ነባሪ ቁጥዕኡ ብሰላማዊ ሰልፊ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ከብቅዕን፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ብሕጊ ክሕተቱን እውን ሰልፈኛታት ሓቲቶም።
ገለ ተሳተፍቲ ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣብቲ ከባቢ፡ ተግባር ጾታዊ መጥቃዕትን ፋሉልነትን ከምዝተበራኸተ'ውን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ወይዘሮ በይነሽ ገብረመድህን፡ ሓንቲ ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝተሳተፉ ነበርቲ ዓዲ ዳዕሮ እያ።
"ብምፍርራሕ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ስለዘተኻየደ፡ እዚ ድማ ንቐጻላይ'ውን ከይድገም፤ እቲ ሕዚ ዝተፈጸመ ውን ብሕጊ ክሕተት ኢልና ሓቲትና [ሰልፊ] ወጺእና" ኢላ።
ካልእ ተሳታፋይ ናይቲ ሰልፊ፡ መምህር መልኣከ ብርሃን ካሕሳይ "ሓንቲ ጓል ተነስተይቲ እንድሕር ደልዮምዋ፡ ብፍላይ ሓደ ኣሎ እንድሕር ደልዩዋ፡ ዋላ በዓልቲ ሓዳር እናሃለየት፡ ስብኣያ ዝኾነ ገበን ዘይብሉ እናሃለየ፡ ገበን ከምዝሰርሐ ተገይሩ ናብ ፖሊስ ጣብያ ክኣቱ ይግበር። ካብኡ ነታ ሰበይቱ ሰብኣይኪ ክሰደልኪ'ስ ምሳይ ክትሓድሪ ኣለኪ ዝዓይነቱ እናበሉ ጥቕዓት ይፍጽሙ ነይሮም" ኢሉ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣኼባ ከይተረፈ 'ኣነ ብሓይሊ ተዓሚጸ' ኢለን ብግልጺ ዝተዛረባ ከምዝነበራ'ውን ተዛሪቦም። "ኣነ እገለ ዓሚጹኒ እዩ ዝበላ ብኣካል ኣለዋ" ኢሉ መምህር መልኣከብርሃን።
እተን ጥቕዓት ከምዝበጽሐን ዝገለጻ ደቂኣንስትዮ፡ ነዚ ዝተዛረባ፡ ምምሕዳር ናይቲ ወረዳ ኣብ ዘካየዶ 'ወፍሪ ምጽራይ' ዝተሰምየ ህዝባዊ ኣኼባ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ኣኼባ፡ ህዝቢ ኣብ ዘለሉ ሰብመዚ ናይ ወረዳ ዝተገምገምሉ መድረኽ ከምዝነበረ ነበርቲ ይዛረቡ። ሽዑ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሽድሽተ ሰብመዚ መረረት ዘቕረበ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ፖሊስ ግን ትርር ዝበለ ነቐፌታን መረረትን ከምዝቐረበሉ ይግለጽ።
ድሕሪ እዚ፡ እቲ በዓል መዚ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ህዝቢ ስለዝሓተተ፡ ከምዝተኣሰረ ነበርቲ ይገልጹ።
እንተኾነ፡ ንጽባሒትኡ እቲ ጥርጡር ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ምስተፈትሐ፡ ህዝቢ ከምዝተቖጠዐን ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝገበረን ይገልጹ።
"ብናይ ህዝቢ ገምጋምን ነቔፌታን ዘእሰርናዮ ሰብ፡ ሰዓት 12 ኣእሲርናዮስ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንጎሆ እዩ ሰዲዱዎ። እዚ ዝሰደደ ሰብ'ውን ብሕጊ ክሕተት ኣለዎ ኢልና ኢና ወጺእና" ትብል ወይዘሮ በይነሽ ገብረመድህን።
ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ድማ፡ ተኸሳሲ ዝተጠርጠረሉ ገበን፡ ዋሕስ ዘኸልእ ስለዘይኮነ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ተጠርጣሪ ብዋሕስ ክፍታሕ ከምዝወሰነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Kidanmariam Berhane
ኣመሓዳሪ ላዕላይ ኣድያቦ ኣይተ ሓጎስ ካሕሳይ፡ እቲ ሰልፊ ብምምሕዳር ናይቲ ወረዳ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ይዛረብ።
"ብሓፈሻ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ 'ጥቕዓት በጺሑና' ኢለን ሓሳበን ኣቕሪበን። ብትኽክል'ውን እናረእና ሓቅነቱ'ውን እናረጋገጽና ናብ ሕጊ እንመርሖ ዘለና ጉዳይ እዩ" ይብል ኣይተ ሓጎስ ካሕሳይ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ፡ ክሲ ዝተመስረተሉ ሰብ ከምዘይሎ ግኒ እቲ ኣመሓዳሪ ተዛሪቡ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሃንደበት ዝኾነ ከምዘይኮነን እቲ ጸገም ንምቅላስ መጽናዕቲ ተገይርሉ ብወፍሪ ዝተኣተወ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሩ።
እተን መጥቃዕቲ ተፈጺሙለን ዝበሃላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቅድሚ ሕዚ ደፊረን ናይ ዘይምዝራብ ጸገም ከምዝበረ፡ ሕዚ ግን ወጺአን ብግልጺ ከቃለዓ ስለ ዝጀመራ እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ከምዘምርሕ ተዛሪቡ።
ምጽራይ ከምዝተጀመረ'ውን ይገልጽ።
ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትግራይ
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ክልል ትግራይ፡ ወይዘሮ ኣበባ ሃይለስላሴ፡ እቲ ናይ ዓዲ ዳዕሮ ጉዳይ ተሓቢኡ ጸኒሑ ዝተቐልዐ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ግና፡ መጠነ ሰፊሕ ምዃኑ ክውል ከምዘይኮነ እያ ትዛረብ።
"ኣብ ካልኦት ከባብታት፡ ብናይ መንግስቲ ኣካላት ኮነ ካብ መሓውር መንግስቲ ወጻኢ፡ መጥቃዕትታት ከምዝፍጸሙ ሓበሬታ ኣለና" ኢላ ወይዘሮ ኣበባ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ተፈጺሙ ዝተብሃለን ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሰልፊ ተቓውሞ ንክገብሩ ዘገደደን ጉዳይ 'ጾታዊ መጥቃዕቲ ደቂኣንስትዮ' ክትዛረብ እንከላ ድማ "ናይ ፍትሒ ኣካል፡ ንሕቶአን ብግቡእ ተቐቢሉ፡ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ዝግበኦ ኣካል ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ፡ ሚዛናዊ ፍትሒ ክህብ ይግባእ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
መንግስቲ "መምሃሪ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ" ዝብል ቅዋም ከምዘለወን እውን ገሊጻ።
ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂኣንስትዮ ክልል ትግራይ ዶክተር የትምወርቅ ገብረመስቀል ብወገና፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊኤን ዝፍጸም ጾታዊ ጥቕዓት ንኽሓብኣ ዝግደዳሎም ብዙሓት ምኽንያታት ክህልዉ ከምዘለዉ ትሕብርሞ፡ ኣወሃህባ ፍትሒ'ውን እጃም ኣለዎ ትብል።
"[ደቂ ኣንስትዮ] ኣብቲ ናይ ፍትሒ ኣካል ዘይዕግበት ከምዘለወን ዘርእዩ ነገራት ኣለዉ" ድማ ኢላ።
መጥቃዕቲ በጺሕወን ናብ ናይ ፍትሒ ኣካላት ዝኸዳ ደቂኣንስትዮ፡ ምስ በዳሊአን ክደራደራን ክሰማማዓን ተነጊርዎን ዝስደዳሉ ኩነታት ከምዘሎ ድማ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







