እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ፡ ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ ዓለምለኸ ኣሸማገልቲ ክኣትው ጸዊዓ
ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት [ካብ 23-24 መስረከረም 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ምምላእ ማይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ዓለምለኸ መዛተይቲ ኣብ ሞንጎ ክጽንበሩ ጸዊዓ።
ግብጺ ሰለስቲአን ሃገራት ዝበጽሕኦም ስምምዓት ውጽኢት ኣየምጽኡን ብምባል ንዘቕረበቶ ጻውዒት ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገን ከም ዘይትቕበል ገሊጻ።
ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጻውዒት ግብጺ ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሑ ስምምዓት ዘፍርስን ኣብ መጋቢት 2017 ዝፈረምኦ ስምምዕ ዝጥሕስን'ዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኢድ ኣእታውነት ሳልሳይ ወገን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ብወገን ሱዳን'ውን ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ምትሕብባር ዝጎድእ፣ ንዝካየዱ ዝነበሩ ቴክኒካዊ ዘተታት ዕድል ዘይሃበን፡ ክሳብ ሕጂ ንዝነበረ መንፈስ ዘተ ዘጸልምን'ዩ ኢሉ።
ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ብወገኑ፡ ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ ከም ዘይቕበሎ ብምግላጽ፡ "ንምንታይ'ዩ ሓዱሽ መላፍንቲ ዘድሊ? እቲ ስምምዕ ንዘይተፈለጠ እዋን ክናዋሕ ይድለ'ዩ ማለት ድዩ? ክብል ተዛሪቡ።
ግብጺ፡ እቲ ዘሸማግል ኣካል መን ይኹን ዝብል ግልጺ'ኳ እንተዘይገበረት፡ ፕሬዝደንት ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ግን፡ ኣሜሪካ "ኣብቲ ግድብ ዘለዋ ግደ ክብ ዝበለ ክኸውን" ጸዊዑ'ዩ።
ኣሜሪካ፡ ምትሕብባር፣ ዘላቕን ሓበራውን ተጠቃምነትን ሰለስቲአን ሃገራት ኣድሂቡ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከም እትድግፍ ዝሕብር መግለጺ ቅድም ኢሉ ኣውጺኣ ነይራ።
ብሓሙስ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ "ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ተፋሰስ ብምጣነ ሃብቲ ክዓብያ መሰል ኣለወን" ይብል'ሞ፡ "ምምሕዳር ኣሜሪካ ነዞም መሰላት ከኽብር ዝኽእል፡ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ማይ ዘኽብር ሰናይ ፍቓድ ኣብ ዝተጸምበሮ ስምምዕ ክበጽሓ ይጽውዕ" ይብል።
ፕሬዝደንት ግብጺ ብወገኑ፡ "ግብጺ ኣብ ሩባ ናይል ዘለዋ መሰል ንክተኽብር፡ ፖለቲካዊ ዘተ ክቕጽል ብምግባር ዓለምለኸዊ ሕጊ ተደሪኻ ስጉምቲ ክትወስድ'ያ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ጽሒፉ።
ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ኣብ ዝምልከት፡ ብወገን ግብጺ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክቐርብ ሓሳብ ከም ዝቐረበን እዚ ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ዘቕረቡዎ መፍትሒ ምኽረ ሓሳብ ዝጠሓሰ'ዩ ክትብል ኢትዮጵያ ገሊጻ።
ነቲ ዘተ ስዒቡ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ብትዊተርን ፌስቡክን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዙርያ ምምላእን ምፍናውን ማይ እቲ ግድብ ዝብጽሑ ስምምዓት ቐጻልነት ንክህልዎም፡ ቑርጸኝነት ሰለስቲአን ሃገራት ከም ዘድሊ ይገልጽ።
ኩለን ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል [11]፡ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ንክጥቀማ፡ ኢትዮጵያ'ወን ካብ ዘለዋ ሃብቲ ማይ ህዝባ ዝጥቀመሉ መገዲ ንምንጻር ከም እትሰርሕ ሓቢሩ።
እዘን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ዘይምርድዳእ ብስሉሳዊ ዘተ ንምፍታሕ ከም ዝሰርሓ እንተተገለጸ'ውን፡ ብወገን ግብጺ ዝስማዕ ግን ኩሎም ዝካየዱ መድረኻት ፍረ ኣልቦ'ዮም ዝብል'ዩ።
ዝሓለፈ መስከረም 3ን4ን [2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ሰበስልጣን እዘን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፡ ግብጺ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ዝምልከት ብናጽላ ንዘቲ ኢላ ዘቅረበቶ ሓሳብ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ይዝከር።
ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ስለሺ በቀለ፡ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ ኢትዮጵያ ከም ዝነጸገቶ ተዛሪቡ ነይሩ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቲ ግድብ ዝመልኣሉ ዓመት ሸውዓተ ክኸውን፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 40 ቢሊየን ሜትር ኪዩቢክ ማይ ክትፍኑን መጠን ማይ ግድብ ኣስዋን ካብ ጸፍሒ ምድሪ 165 ሜትሮ እንትበጽሕ፡ ማይ ክትፍኑን፡ ግብጺ ዘቕረበቶ ሓሳብ'ዩ።
እዚ ቅድም ክብል ሰለስቲአን ሃገራት ዝፈረምኦ ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይ ዝምልከት፡ "መትከል ስምምዕ ዝጠሓሰን ጎዳኢ ግዴታ ዘቐምጥን'ዩ" ብዝብል ኢትዮጵያ፡ ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።
"ግብጺ ፍሰት ማይ እቲ ግድብ 40 ቢልየን ሜትር ኪዩብ ክኸውን ዘቕረበቶ ሕቶ፡ ብተዘዋዋሪ ኢትዮጵያ ማይ ኣባይ ከይትጥቀም ዝኽልኽል ሰለ ዝኾነ፡ ኣይተቐበልናዮን" ኢሉ ነይሩ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ።
ዘተ ሚኒስትራት ጉዳያት ማይ ሰለስቲኤን ሃገራት ቅድሚ ምክያዱ፡ መስርሕ ኣተዓቛቑራን ፈነወን ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ከካይድ ዝቖመ ዘይሻራዊ ጉጅለ መጽናዕትን ምርምርን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም መበል ሓምሻይ ዋዕልኡ ኣብ ካርቱም ሱዳን ኣቃኒዑ እዩ።
ሚኒስትራት ጉዳያት ማይ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ካይሮ ግብጺ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ኣተዓቛቑራን ፈነወን ማይ እቲ ግድብ ዘለወን መርገጺ መሰረት ገይሩ ምኽረ ሓሳብ ከቕርብ ተኣዚዙ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ዝተውሃቦ ኣንፈት ኣብ ግብጺ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ጉዳይ መትከል ክልቲኤን ሃገራት ዝዝተየ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ነጥብታት ተሰማሚዑ ኣብ ገሊኦም ጉዳያት ግን ከይተሰማምዐ ተሪፉ እዩ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ እቲ ብሰለስቲኤን ሃገራት ዝቐመ ጉጅለ መጽናዕትን ምርምርን ዘቕርቦም ምኽረ ሓሳብ መሰረት ገይርና ሓደ ብሓደ ንዘትየሎም'ኳ እንተበላ፡ ግብጺ ግን ኣነ ዘቕርቦም ሓሳባት ብምሉእነት እንተዘይተቐቢልክን ብምኽረ ሓሳብ እቲ ጉጅለ ኣይሰማማዕን ብምባላ እቲ ጉጅለ ስርሓቱ ብዝግባእ ንኽውግን ከም ዝተጸገመ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
'እምብለይ ጠንጠነለይ' ናይ ምባል ዝንባለ ግብጺ፡ ቅድሚ ሕዚ ሰለስቲኤን ሃገራት ግድብ ሕዳሰ ዝህልዎ ከባብያውን ማሕበራውን ጽልዋ እቲ ዞባ ኣድሂበን የካይድኦ ዝነበረ መጽናዕቲ መሰረት ዝገበረ ልዝብ ብግብጺ ክተኣጓጎል ምኽኣሉ፡ መጽናዕትን ምርምርን መሰረት ዝገበሩ ምኽረ ሓሳባት ናይ ምንጻግ ሓድሽ ሜላ ግብጺ ከም ዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ዘትአን እውን እንተኾነ ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ጉጅለ መሰረት ገይርካ ናይ ቀጻሊ ኣንፈት ምንጻር ዝብል መደብ እኳ እንተነበረን ግብጺ ስለ ዘይተቐበለቶ መጻኢ ስራሕቲ እቲ ናይ መጽናዕቲ ጉጀለ እንከይተነጸረ ተበቲኑ እዩ።
ኢትዮጵያ ሩባ ናይል መሰረት ገይሮም ዝተኻየዱን ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጸሙ ዘይኽእሉ ውዕላትን ኣፍልጦ ከም ዘይትህብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።