እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ መልሲ ሂበን
ሩባ ኣባይ (ኒል) ንኣባል ሃገራት ተፋሰስ ፍልፍል ሓበረዊ ረብሓ እምበር ፍልፍል ጎንጽታት ክኸውን ከምዘይብሉ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ኣተሓሳሲበን።
መደረአን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዘስምዓ እተን ፕረዚደንት፡ ቅድምኤን ኣብ መደርኡ ምስ ሩባ ኣባይ ኣተኣሳሲሩ ሃገሩ ንዘለዋ ስግኣት፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ንዝሃቦ ሓሳብ ምላሽ ሂበን።
ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ተሞርኵሳ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ምስ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ስምምዕ ብዘይምፍጣሩ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ከምዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ምላሽ ብዝመስል "ሃገራት ተፋሰስ ናይ ሓባር ተረባሕነተን ንምርግጋጽ ብሓባር ተወሃሂደን ክሰርሓ ከምዝግብኣ ኣተሓሳሲበን"።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ሩባ ኣባይ ብዛዕባ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሴ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተቓውሞታት ከስምዕ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ዝተሳተፉሉ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ግድብ ኣለዎ ብዛዕባ ዝበሎ ጉድኣት ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ውጽኢታዊ ብዘይምኳኑ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
ካብ ህንጸት እቲ ግድብ ብተወሳኺ፡ ምስተዛዘመ እውን እንተኾነ ብዛዕባ ኣተዓቛቑራ ማይን ኣግባብ ኣተሓሕዝኡን ክግበር ዝጸንሐ ዘተ እውን ፍርያት ዘይምፍራዩ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ኣብራህሪሁ።
እዚ ብኸምዚ እንተቐጺሉ ኣብ መስርሕ ልምዓትን ምርግጋእን ግብጺ ኢሉ እውን ኣባል ተፋሰስ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ መደርኡ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ክትሃንጽ ዝጀመረት ብዘይእኹል መጽናዕቲ ከምዝኾነ ብምግላጽ ኣብቲ ሽዑ እዋን ሃገሩ ዋላ ሓንቲ ተቓውሞ ኣስሚዓ ከምዘይነበረት ይዛረብ ድኣ እምበር ፖለቲከኛታት ግብጺ ኣብ ህንጸት እቲ ግድብ ልዑል ተቓውሞ ኣስሚዖም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ መስርሕ ምዕቛር ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ኣብ ካይሮ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ሓንቲ ስምምዕ ምፍልላየን ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ መበል 74 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ሓምለዋይ ልምዓት እውን ውፉይነት ሃገረን ኣብ ትግባረ እቲ መደብ ንተሳተፍቲ ኣብራህሪሀን እየን።