ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝገብሮ ሓለዋ ከም ዘሐየሎ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኡጋንዳ፡ ንኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝገብሮ ሓለዋ ከም ዘሐየሎ ኣፍሊጡ።

ብሰንበት ኣርባዕተ ኣባላት እታ ጋንታ፡ ካብቲ ኣዕሪፎምሉ ዝነበሩ ኣብ ጂንጃ ዝርከብ ሆቴል ከም ዝተሰወሩ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ሓለፍቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ካልኦት ተጻወትቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከይወስዱ ስግኣት ከም ዘለዎም ብምግላጽ ሓለዋ ከም ዝሓተቱ፡ ወሃቢ ቃል መደበር ፖሊስ ኪራ፡ ናንዳውላ ዳያና ተዛሪቡ።

እቶም ዝተሰወሩ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ዛጊት ዑቕባ ከም ዘይሓተቱ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ንምስታፍ ብ19 መስከረም'ያ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሓ።

ኣብ ዘካየደቶ ናይ ምድብ ጸወታታት ጽቡቕ ምንቅስቓሳት ክተርእይ ዝቐነየት እታ ጋንታ፡ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና እያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ።

እንተኾነ ግን ትማሊ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፡ 1 ብ 0 ብኬንያ ተሳዒራ ካብ ናይ ዋንጫ ጸወታ ተሪፋ። በዚ መሰረት ሰንበት ምስ ሱዳን ንሳልሳይ ደረጃ ክትገጥም እያ።