ኣብ ማራቶን በርሊን ዝተዓወተ ቀነኒሳ ንዓወቱ 'ካብ ሞት ከም ምትንሳእ' ክብል ገሊጽዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንነዊሕ እዋን፡ ካብ ውድድር ርሒቑ ዝጸንሐ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፡ ሎሚ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ተዓዊቱ።
ተዓዋቲ ኦሎምፒክን፡ ሻምፒዮን ዓለምን ዝኾነ ቀነኒሳ፤ ኣብ ክብረወሰን ማራቶን እቲ ካልኣይ ዝሓሸ ሰዓት ብምምዝጋብ፡ ኣብ 2 ሰዓት ሓደ ደቒቕን ኣርበዓን ሓደን ካልኢትን እዩ ውድድሩ ዛዚሙ።
ወዲ 37 ዓመት ቀነኒሳ፡ ክብረወሰን ማራቶን ክሰብር ክልተ ሰከንድ ጥራይ ተሪፍዎ ነይሩ።
ክብረወሰን ማራቶን፡ ብኬንያዊ ኣትሌት ኪፕቾጌ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማራቶን በርሊን ዝተትሓዘ ክኸውን ከሎ፡ ዝኣተወሉ ሰዓት ድማ 2:01:39 እዩ።
ብድሕሪ እቲ ውድድር ንቢቢሲ ክዛረብ እንከሎ "ካብ ሞት ከምምትንሳእ እየ ዝርእዮ" ኢሉ። ነዚ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ሕማም ንነዊሕ እዋን ካብ ውድድር ርሒቑ ምጽንሑ ጠቂሱ።
ኣብ ቀጻሊ፡ ኣብ ጥዕንኡ ጸገም እንተዘይኣጋጢምዎ፡ ክብረወሰን ማራቶን ንምስባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ቀነኒሳ በቀለ፡ ኣብዚ ናይ ሕዚ ውድድሩ፡ ነቲ ቅድሚ ሐዚ ዘመዝገቦ ናይ ባዕሉ ሰዓት ኣመሓይሽዎ እዩ።
ቀነኒሳ፡ ኣብ ውድድር ማራቶን በርሊን 2016 ዘመዝገቦ ሰዓት 2:03:03 እዩ ነይሩ።
"ሓሚመ ስለዝጸናሕኩ፡ ክብረወሰን ንምስባር ዘኽእለኒ ውድድር ኣይገበርኩን" ዝበለ ቀነኒሳ "ኣብ ቀረባ እዋን ክብረወሰን ማራቶን ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን አሸቴ በከሬ ቀዳመይቲ፡ ማሬ ዲባባ ድማ ካልኣይቲ ኮይነን ተዓወተን።
እሰቴ በከሬ ውድድራ ኣብ 2:20:14 ዝዛዘመት ኮይና፡ ንማሬ ዲባባ ብሸሞንተ ካልኢት ቀዲማታ።
ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን፡ ኢትዮጵያውያን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውጻእ ነቲ ውድድር ዓብሊሎምዎ።
ኣትሌት ብርሃኑ ለገሰ ካልኣይ፡ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







