ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታት ዘለዐዓለ ግብጻዊ ብወላዲኡ "ኣይወደይን" ተባሂሉ

መሓመድ ዓሊ

ምንጪ ስእሊ, Photo supplied

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ኣሊ፡ ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ብብልሽውና ዝኸስስ ቪድዮ ዘርጊሑ እዩ

ግብጻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብልዎ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተርኣየ ተቓውሞታት ብዝተኣሳሰር፡ ዛጊድ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ነዚ ተቓውሞታት ካብ ዘልዐዓሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን፡ ብዘይ ኣግባብ ኣብ ህንጸት ኣብያተ መንግስትን ቪላታትን ኣጥፊእዎ ዝብል ክሲ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነዚ ክስታት "ሓሶት" ክብል ዝነጸጎ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ጸገም ዝፈጥሮ ዘሎ "ፖለቲካዊ እስልምና" እዩ ይብል።

ትጽቢት ዘይተገብረሉ ተቓውሞታት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ሰልፈኛታት፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እናጸውዑ ናብ ኣደባባያት ምስወጹኡ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተገሪሞም እዮም።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣልሲሲ ካብዚ ዝሰፍሐ ተቓውሞታት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ዝግምቱ ኣለዉ

መሓመድ ዓሊ ግን፡ እዚ ተቓውሞታት ከጋጥም ትጽቢት ነይርዎ። ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንሱ እዩ ኣጀሚርዎ'ውን ይበሃል እዩ።

መሓመድ ዓሊ ወዲ 45 ዓመት ነጋዳይ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ስሙ ካብ ኣፍ ብዙሓት ግብጻውያን ኣይተፈለየን። ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዘቕርቡ ተሪር ነቐፌታታቱ እዩ እናተፈለጠ ዝመጽእ ዘሎ።

ካብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ፡ መሓመድ ዓሊ፡ ኣብ ስፔን ኮይኑ ዳርጋ መዓልታዊ ቪድዮታት ይዝርግሕ ነይሩ። ኣብ ቨድዮታቱ፡ ንፕረዚደንት ኣል ሲሲን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣንን ብብልሽውና ይኸሶም።

ቪድዮታቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሓት ግብጻውያን ቁጠዐኦም እናገለጹ ተቐባቢሎምዎም እዮም፡ በዚ ድማ እዩ እቲ ተቓውሞታት ተላዒሉ።

እቶም ቪድዮታት

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ኣደባባይ ታህሪር ተኣኪቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ኣብ ኣደባባይ ታህሪር ተኣኪቦም

"ኮፍ ኢሉ ናብ ካሜራ እናረኣየ፡ ብዘይወግዓዊ መገዲ እዩ ዝዛረብ፡ ገለ እዋናት ድማ ናብ ስምዒት እናኣተወ ዘይእዱብ ቃላት እውን ይጥቀም" ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ መሓመድ ያሕያ።

"ብሰነዳት ኣሰንዩ መረዳእታታት ኣየቕርብን፡ ግን ከኣ ብዛዕባ እቶም ንሱ ዝተሳተፈሎም ፕሮጀክትታት ይዛረብ እዩ"

"ናይ ኣልሲሲ ተቓወምቲ፡ መሓመድ ዓሊ ዘቕርቦ ሓበሬታ እሙን እዩ በሃልቲ እዮም። ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ድማ፡ ኣይኣምንዎን። ተኣማንነቱ ብኣሃዝ ንምቕማጥ ዝኸብድ እኳ እንተኾነ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ግን ስሒቡ'ሎ" ይብል መሓመድ ያሕያ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ግብጺ፡ ንቪድዮታት መሓመድ ዓሊ ኣቕሪበን ኣይፈልጣን፡ ኣብ ኢንተርኔት ግን ብዙሕ ሰብ እዩ ዝርእዮ። ገሊኦም ቪድዮታቱ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ግዜ ዝተርኣዩ እዮም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ነቲ ብመሓመድ ዓሊ ዝቐረበሉ ክስታት መልሲ ክህብ ተገዲዱ እዩ። ነቲ ክስታት "ሓሶትን መጸለምታን" ክብል ዝነጸጎ ክኸውን ከሎ፡ ግብጻውያን ነቲ ቪድዮታት ብምርኣዮም ድማ ገኒሕዎም።

ኣል ሲሲ ነዚ ምስበለ፡ መሓመድ ዓሊ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከምዝኣልዮ ተሓንዩ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መሓመድ ዓሊ መን'ዩ?

መሓመድ ዓሊ፡ 'ዓምላክ' ዝበሃል ትካል ይውንን ዝነበረ እዩ። እቲ ናቱ ትካል፡ ምስ ምክልኻል ግብጺ ዝሰርሖም ፕሮጀክትታት ነይሮምዎ።

ቅድሚ ናብ ስፔን ምኻዱ፡ ተዋሳኣይ ምንባሩ እውን ይግለጽ።

ተፈላጢ ክኸውን ዝኸኣለ ግን፡ ኣብ ምክልኻል ግብጺ ብልሽውና ከምዘሎ ዝገልጽ ናይ 'ፈላጢ ውሽጢ' ሓበሬታ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጹን ብቪድዮ ክዝርግሕ ምስጀመረን እዩ።

ኣቡኡ፡ ዓሊ ዓብዱል ካሊክ፡ ንመንግስቲ ኣብ ዝድግፍ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ንውላዱ 'ኣይወደይን' ክብል ዝኾነኖ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ዘቕርቦ ክስታት ድማ ኣናሽዩ።

ነቲ መሓመድ ዓሊ ዝውንኖ ዝነበረ ትካል ህንጻ ዘቖሞ ዓሊ ዓብዱል ካሊክ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ምክልኻል ግብጺ ብምስርሑ ዘመስግን ሰብ እዩ።

መሓመድ ዓሊ፡ ምክልኻል እታ ሃገር ንዕኡ ዘይከፈሎ ሚልዮናት ፓውንድ ግብጺ ከምዘሎን፡ ንሰብመዚ ምክልኻል ሕቶ ሰለዘቕረበሎም ከየጥቅዕዎ ከምዝሃደመን እዩ ዝዛረብ።