ኣብ መገዲ ኣየር ዩናይትድ ሓንቲ ገያሺት ኣብ ሽቃቕ ስለእተዓጽወት እታ ነፋሪት ብህጹጽ ክትዓልብ ተገዲዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩናይትድ፡ ኣብ እዋን በረራ ሓንቲ ገያሺት ኣብ ሽቃቕ ብምዕጻዋ፡ እታ ነፋሪት ክትዓልብ ተገዲዳ።
እታ ብረቡዕ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ሳንፍራሲስኮ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት፡ ሃንደበት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንቨር እያ ክትዓልብ ተገዲዳ።
ወሃቢ ቃል እቲ መገዲ ኣየር፡ "እቲ ናይ መነጻጽሂ ክፍሊ ማዕጾ ምስራሕ ከም ዝኣበዮም" ንቢቢሲ ገሊጹ።
እታ ገያሺት፡ እታ ነፋሪት ክሳብ እትዓልብ ኣብኡ ክትጸንሕ እኳ እንተተገደደት፡ ዝኾነ ጉድኣት ከም ዘይበጽሓ እቲ መገዲ ኣየር ሓቢሩ።
ሓደ መካኒክ ነቲ ማዕጾ ንምኽፋት ክቃለስ ከሎ ዘርእይ ብሓደ ገያሻይ ዝተስኣለ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
"ነቲ ማዕጾ ንኸፍቶ ኣለና፡ ክነውጽኣኪ ኢና፡ ሕራይ?" ዝበል ድምጺ ኣብቲ ቪድዮ ይስማዕ።
እታ ሰበይቲ ካብቲ መነጻጽሂ ክፍሊ ምስ ወጸት "ደሓን ምንባራ" ጀኒፈር ጌትማን ዝተብሃለት ገያሺት ንኬፒኣይኤክሰ ቲቪ ተዛሪባ።
"እታ ሰበይቲ ምስ ወጸት፡ ኩሉ ሰብ ኣጣቒዑ፡ እታ ነፋሪት ክትዓልብ ከላ ኣብ ሽቃቕ ኮይና ከመይ ከም ዝኸኣለቶ ኣይፈልጥን፡ ግን ደሓን እያ ነይራ" ኢላ።
እታ ሰበይቲ ንከባቢ ሓደ ሰዓት ኣብቲ ሽቃቕ ከም ዝተዓጸወት፡ ገያሾ ገሊጾም።
እታ ነፋሪት፡ ናይ ሳንፍራንሲስኮ ጉዕዞኣ ድሕሪ ክልተ ሰዓት'ያ ክትቅጽል ክኢላ።
መገዲ ኣየር ዩናይትድ "ንኹሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ገያሾን ነታ ኣብቲ መነጻጽሂ ክፍሊ ዝተዓጽወት ዓሚልን ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







