እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ነበር ዣክ ሺራክ ኣብ 86 ዓመቶም ዓሪፎም
ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ዘመነ ስልጣኖም፡ ስሞም ምስ ብልሽውና ተኣሳሲሩ ዝለዓል ዝነበረ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር፡ ዣክ ሺራክ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መበል 86 ዓመቶም ዓሪፎም።
ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳይ፡ ንዝኽሪ እቶም ፕረዚደንት ነበር፡ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሩ።
ሺራክ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኮይኖም ክልተ እብረ-ስልጣን ኣገልጊሎም እዮም።
ፈረንሳይ፡ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትኣቱ ዝገበሩ መራሒ ምዃኖም'ውን ይዝረብ።
ፕረዚደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ጂን ክላውድ ጃንከር፡ ሞት ናይቶም ፕረዚደንት ነበር ምሒር ከምዘደንገጾም ተዛሪቦም።
"ኣውሮጳ ዓብይ ሰብ ስኢና" ድማ ኢሉ።
ገበን ብልሽውና
ዣክ ሺራክ፡ ብአቆጻጽራ ኣውሮጳ ብ1932 ዓ.ም እዮም ተወሊዶም። ኣቦኦም ናይ ባንኪ ማናጀር እዮም ነይሮም።
ካብ 1995 ክሳብ 2007 ድማ ንፈረንሳይ መሪሖምዋ። ካብ ስልጣኖም ካብ ዝወረዱ ንደሓር ግን፡ ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸቡን።
ሺራክ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም'ውን ዘገልገሉ ኾይኖም፡ ስሞም ምስ ገበናት ብልሽውና ብተደጋጊሙ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2011፡ ናይ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ከንቲባ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ናይ መንግስቲ ገንዘብ ኣጥፋእፊኦም ተባሂሎም ተኸሲሶም።
ከም ሓደ ዓብይ ፍጻመ ዣክ ሺራክ ኮይኑ ዝለዓል፡ እብረ-ስልጣን እታ ዓዲ፡ ካብ ሸውዓተ ናብ ሓሙሽተ ክወርድ ምግባሮም እዩ።
ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ንዒራቅ ምውራሩ ካብ ዝተቓወሙ ሰባት ሓደ እዩ።