እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ደገ ዝሸኑ ዝነበሩ ክልተ ህጻናት ህንዲ ዝቐተሉ ሰባት ተታሒዞም
ኣብ ማእከላይ ህንዲ ኣብ ደገ ዝሸኑ ዝነበሩ ህጻናት ዝቐተሉ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ፖሊስ ሓቢሩ።
ወዲ 12 ራሽኒን ቆልዓ 10 ዓመት ኣቪናሰን ትማሊ ረቡዕ ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም ደገ ይወጽኡ ኣብ ዝነበሩሉ'ዮም ተቐቲሎም።
ግዳያት፡ ኣብ ገዛ ሽቓቕ ስለዘይብሎም ደገ ክኸዱ ከም ዝኸኣሉ ስድርኦም ንቢቢሲ ህንዲ ሓቢሮም።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድኻ ህንዳውያን ኣብ ገዝኦም ሽቓቕ ብዘይምህላዉ ደገ ከይዶም ይጥቀሙ። እዚ ከኣ ብፍላይ ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ንሓደጋ ይቃልዑ።
እቶም ህጻናት 'ዳልቲስ' ካብ ዝበሃል ኣዝዩ ድኻ ማሕበረሰብ ኮይኖም በቶም ኣብ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝነብሩ ህንዳውያን ዝለዓለ ምግላልን ምጽያፍን ይበጽሖም።
አዛዚ ፖሊስ ራጀሽ ቻንደል "እቶም ህጻናት ብበትሪ ተቐጥቂጦም'ዮም ተቐቲሎም። ተጠርጠርቲ ድማ ብገበን ቅትለት ተኸሲሶም ምጽራይ ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።
ክልቲኦም ህጻናት ኣዝማድ ኮይኖም፡ ስድራ ኣቪናሽ ንሮሽኒ ምስ ወዶም ከዕብይዎ ከም ዘምጽእዎ ተገሊጹ።
ኣቡኡ ንኣቪናሽ፡ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛ ብምዃኑ፡ ኣብ ገዝኡ ሽቓቕ ንምህናጽ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
'ሚሽን ስዋች ብሃራት' ወይ ድማ ፕሮግራም ጽርይቲ ህንዲ፡ ቀረብ ሽቓቕ (ዓይነ ምድሪ) ክውስኽ ብምግባርን ሓለዋ ጽርየት ብምጥንኻርን፡ ደገ ከም ሽቓቕ ናይ ምጥቃም ልምዲ ንምንካይ እናሰርሐ እዩ።
ቀዳማይ ሚንስትር ናሬንድራ ሞዲ ኣብ 2014 ነዚ ፕሮግራም ብወግዒ ከጀምር ከሎ፡ ክሳብ 2 ትቅምቲ 2019 ካብ "ኣብ ደገ ምሻን ነጻ ዝኾነት" ህንዲ ንምፍጣር ዓላማ ብምግባር'ዩ ነይሩ።