ኣብ ኣሜሪካ ንሽድሽተ ሰዓታት ኣብ ውሽጢ መኪና ዝተረሰዐት ህጻን ብሰንኪ ዋዒ ሞይታ

ምንጪ ስእሊ, GoFundMe
ኣብ ኣሜሪካ ሓንቲ ኣላይት ህጻን (ናባይት) ንሽድሽተ ሰዓታት ኣብ ውሽጢ መኪና ዝረሰዓታ ጓል ክልተ ዓመት ህጻን፡ ብሰንኪ ዋዒ ሞይታ ተረኺባ።
እታ ኣላይት፡ ንህጻን ንዛሪህ ሓሺም ናብ መውዓሊ ቆልዑ ክተብጽሓ ብመኪንኣ ትጓዓዝ ነይራ። ይኹን'ምበር ነታ ህጻን ናብቲ ዝተሓሰበ ቦታ ምብጻሕ ረሲዓ ናብ ስርሓ ከደት።
ታሚ ብሩክስ፡ ነታ ህጻን ኣብ ውሽጢ መኪና ከም ዝረስዓታ ክትፈልጥ ዝኸኣለት፡ ናብ ሰብ ዝበጽሕ ኣቕሓ ንምውሳድ ናብ መኪንኣ ምስተመለሰት'ዩ።
ብሸለልተኝነት ህጻን ቆልዓ ክትመውት ብምግባራ ስለዝተኸሰሰት ድማ፡ ኣብ ቀይዲ ውዒላ።
ዛሪህ ንሽድሽተ ሰዓታት ኣብ ውሽጢ መኪና ብምጽንሓ፡ ብኸቢድ ዋዒ ተዓፊና ህይወታ ከም ዝሓለፈ ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣቡኣን ኣዲኣን ቅድሚ ንዓዓ ምውላዶም፡ ሽድሽተ ግዜ ቆልዓ ክረኽቡ ፈቲኖም፡ ኣብ ኩሎም ምንጻል ጥንሲ ኣጋጢምዎም እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዛሪህ "ተኣምረኛ ቆልዓ" ተባሂላ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Hobbs Police Department
ደሚ ፔትሮውስኪ (ኣደ ህጻን ዛሪህ) "ዘጋጠመኒ ሓዘንን ስብራትን ንጸላኢየይ'ውን ክበጽሖ ኣይምነየሉን" ክትብል ተዛሪባ።
ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ዝተረኸበት ሓንቲ ጓሎም ንሳ ምንባራ ከኣ ብመሪር ሓዘን ገሊጻ።
ዛከሪ ሓሺም (ኣቦ ዛሪህ) ብወገኑ፡ ሞት ጓሉ ካብ በዓልቲ ገዝኡ ብስልኪ ከም ዝሰምዐን ንምእማኑ ከም ዝኸበዶን ገሊጹ።
ጓሉ ቅድሚ ምሟታ ንመጀመርታ ግዜ "ኣቦይ" ክትብል ጸዊዓቶ ምንባራ'ውን ይዝክር።
ኣብ 2019 ጥራይ፡ 42 ህጻናት ኣብ ውሽጢ መኪና ተረሲዖም ብዋዒ ተዓፊኖም ሞይቶም'ዮም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







